ዓመት ባዓል ምህለላ - מרכז מורשת יהדות אתיופיה-תיגרינית

ዓመት ባዓል ምህለላ

ዓመት ባዓል ምህለላ ናይ ምሕዳስ ቃል ኪዳን ፤ ኩሉ ህዝቢ እንታይ ገበርኩ እንታይ ኣበስኩ ዝብለሉን ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ናይ ጽዮን ሀንቀውታን እዩ፡፡ ዕለት ምህለላ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል
ናብራ ዓብይ ማዓልቲ እዩ፡፡
እዚ ዕለት ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ሀይማኖት ማሕበራውን መንፈስን ምርግጋጽ ገጁፍ ግደ ነርዎ፡፡
ስግደዲ ዝብል ሺሙ ምስጋድ ካብ ዝብል ቃል ተወሰደ እዩ፡፡ ትርጉሙ ንዘኽሪ ከም ናይ ምንሳእ ኢድ ሰጥ ለበጥ ኢልካ ምድናን ዝብል ሴማዊ ቃል እዩ፡፡ ናይ’ዚ ቃል ትርጉም በቲ ናይ ዓመት ባዓል ማዓልቲ ካብኡ ዝልዓለ ትርጉም ኣለዎ፡፡ ንእግዝሄር ሰጥ ለበጥ ኢልካ ኢድ ምንሳእ፡፡ ከምኡ’ውን ምህለላ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ፡፡ ብጸሎት ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ምልማን፡፡
ናይ’ቲ ዓመት ባዓል ምንጪ ካብ ዘበን ናይ ባቢሎን ናብ ጽዮን ተመለስቲ ዘበን ናይ እዝራን ንኼሚያን እዩ፡፡ ኣብ መጽሓፍ ንኼሚያን ህዝቢ ናይ ምንስሁን ንኣምልኽ ናይ ምጽላዩን ጉባኤ ምክያዱ ተጻሒፉ፡፡እዝራ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ስለዝነበረ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ እቲ መጽሓፈ ከፈቶ፡፡ምስከፈቶ ድማ ኩሉ ህዝቢ ጠጠው በለ፡፡ እዝራ ነቲ ዓብይ ኤሎሂም ባረኸ ህዝቢ ድማ አሜን በለ፡፡ ኣእደዎም ናብ ሰማይ እናዘርግሑ ናብ እግዝሄር ሀንቀው ይበሉ ናብ ምድር’ውን ሰገዱ፡፡
ለዋዊያን ህዝቢ ዝብሎ ይርድኦም-ንኦሪት፡፡ ህዝቢ ጠጠው ኢሉ ናይ ኤሎሂም ኦሪት የንብብ ልቡን ቀልቡን ናብኡ ብምግባር (ንኼሚያን ምዕራፍ 8 ቁጽሪ ካብ 5 ክሳብ 8)፡፡ ቀጺሉ’ው ኣብ ዕለት 24 ናይ’ዚ ወርሒ ደቂ እስራኤል ብጾምን ክሻ ለቢሶምን ፤ ሓመድ ኣብ ርእሶም ገሮም ታኣኪቦም፡፡ ዝርኢ እስራኤል ዝኾኑ ኩሎም ካብ ኣህዛባት ተፈለዩ፡፡ ዝገብርዎ ሓጢኣትን ኣቦታቶም ዝኣበስዎን ነገረ ኩሉ እናተዛረቡ ካብ ኮፍ ምባሎም ተሲኦም ጠጠው ኢሎም ኤሎሂም ናይ ፈጣሪኦም ኣብ ርብዒ ማዓልቲ ኦሪት የንብቡ፡፡ ርብዒ ድማ ዝኣበስዎ እናተዛረቡ ናብ ኣምላኾም ኤሎሂም ሰገዱ( ንኼሚያን ምዕራፍ 9 ቁጽሪ 1-3)
እዝራን ንኼሚያን ዝተረፉ ካልኦት መራሕቲ ሻቨይ ጽዮን (ናብ ጽዮን ተመለስቲ) ናይ እስራኤል በደላት ንምንጋርን ናብ እግዚሄር ክምለሱ ንምግባርን ዝፈረሰት እየሩሳሌም መሊስካ ንምስራሕን ህዝቢ ዝእከበሎ ዕለት ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ናይ ንስሀ ፤ ንኣምልኽና እንታይ ኣበስና ናይ ምባልን እየሩሳሌም ናይ ምንፋቕን ማዓልቲ ኮይኑ፡፡
ከም’ቲ ኣብ መጽሓፍ ንኼሚያ ምዕራፍ 9 ተጻሕፈ ዘይኮነ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል እቲ ባዓል ኣብ 19 ወርሒ ኼሽቫን ክኸውን ወሲኖም፡፡ እዚ ድማ 50 ማዓልትታት ድሕሪ ዮም ኪፑር (ኣስረራይ) እዩ፡፡
እቲ ዓመት ባዓል ቀዳማይ ክፋሉ ነብሳኻ ናይ ምስቓይ ካላኣይ ክፋሉ ናይ ታሕጓስ እዩ፡፡ ከም’ቲ ዮም ኪፑር ዝጽለይ በዚ ዕለት’ዚ’ውን ፉሉያት ጸሎታት እናጸሌኻ ኣብ ኢሪት ምስ ናይ ምቕባል ኦሪት ኣብ ዝራኸቡን ኣብ ናይ እስራኤል ምስ ኣምላኽ ተገበረ ቓል ኪዳንን ይንበብ፡፡(ኦሪት ዘጽኣት ምዕራፍ ካብ 5 ክሳብ 6ተን) ከምኡ’ውን ኣብ ዘዳግም ምዕራፍ 27ተን ኣብ ንኼምያ ምዕራፍ ካብ 8 ክሳብ 9ተን)፡፡ እቶም ጸሎትን ናይ ኦሪት ምንባብን ናይ ማሓረነ ሓጢኣትና ወግደልናን ዝብሉን ናይ እየሩሳሌም ናፍቖት ዘለዎምን እንትኾነ ናይ ህዝበ እሰስራኤል ምስ ኣምላኽ ቃል ኪዳኑ ናይ ምሕዳሱን ዘንጸባርቑ እዮም፡፡ ከምኡ’ውን መናእሰይ ሀይማኖቶም ከይስሕቱ ኣቕሽቲ በዚ ዕለት’ዚ የጠንቅቕዎም፡፡
ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኣብ ተፈላለዩ ይቕጡሎም ዝነበሩ ኩሎም ቡታታት ብዓመት ባዓል ምህለላ ኦሪት ሒዞም ናብ ነዊሕ እምባ ይድይቡ ነሮም፡፡ እዚ ዕለት ኦሪት ካብ መስጊድ ዝወጸሉ ብሕታዊ እዋን እዩ፡፡ ከም ናይ እምባ ሲና ህዝበ እስራኤል ኣብ ቅድሚቱ ጠጠው ናይ ዝበሉሉ እዋን ምልክት፡፡
ናብ’ቲ እምባ ዝድየብ ኣንጊህኻ እዩ ነሩ፡፡ እቲ ኦሪት ኣብ ርእሱ ዝሺከም ሓደ ፉሩይ ቆልዐ እዩ፡፡ እቶም ደየብቲ ዝመርሑ ኣቕሽቲ ፤ ደድሕሪኦም ዓበይትን ሺማግለታትን ቆልዐ ሰበይትን….እዚ ናይ ዓመት ባዓል ናይ ምሕዳስ ቃል ኪዳን ተግባር ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ኣምላኽ ናብ ጽዮን ክመልሶም ዝጽዉዑሉ (ዝጽልዩሉ)) ማዓልቲ እዩ፡፡
ካብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ሓደ ጽቡቕ ልምዲ ምቐባል ኣጋይሽ እዩ፡፡ እዚ ልምዲ ኣብ ዓመት ባዓል ምህለላ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ፡፡ እቲ ባዓል እንቐረበ እንተመጽእ ኩሉ ሰብ ንፋሱ ይስምዖ ኣቐዲሙ ይፍለጦ’ሞ መንፈሳዊ ስምዒቱ ክብ ይብል፡፡ እቲ ዓመት ባዓል ኣብ ተፈላለዩ ክፍለ ሀገራትን ቁሸታትን እንትኽበር ካብ ኩሎም ኣውራ ዝባሀል ድማ ኣብ ኣምቦበር ነሩ፡፡ ኣምቦበር ናበወ’ታ ዓባይ ከተማ ጎንደር ቀረባ ብምዃኑ፡፡ ሎሚ ኣብ እስራኤል ዓመት ባዓል ምህለላ ብመንግስታዊ ስነ ስርዓት ጣየለት ኣርሞን ሀናጺብ ኣብ ዝብሀል ናይ እየሩሳሌም ቦታ ይኽበር፡፡ ኣብ’ዚ ጸሎት ካብ ዝገበረሎ ቦታ ኣሟዕድኻ እቲ ሀር ሀባይት ንህዝበ ይሁዳውያን ካብኡ ንላዕሊ ዘየለ ቅዱስ ቦታ ምርኣይ ይካኣል፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይግበር ካብ ዝነበረ ናይ ምኽባሩ ስነ ስርዓት ምስ ናይ እስራኤል ኣብ ምብዓሉ ዝፈልዮ ብሕታዊ ነገር ናይ ምግቢ ስነ ስርዓት እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣበ ዝርከቡሉ ናይ ዓመት ባዓል ክቡር ምግቢ ምግባሩ እንትኸውን ኣበ’ዚ እዚ ተሪፉ ሰባት ነናይ ባዕሎም ኣብ ገገዝኦም ይገብሩ፡፡
ድሕሪ ጸሎት ጾም ዓመት ባዓል ምህለላ ንምግዳፍ እየሩሳሌም ዘኸዱ ጸለይቲ ምግቦም ሒዞም ይኸዱ፡፡ኣሎ ሓደ ጉጂለ እቲ ዐመት ባዓል ኣብ ምዕራባዊ ኮቴል (ሀኮቴል ሀማዓራቢ) ዘኽበር፡፡

ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ ሕጊ

ኣበ 2008 ዓ/ም ክኔሴት ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ ሕጊ ኣጽዲቑ፡፡ 2008 התשס"ח፡፡ ብሕጊ ንኽድገፍ ሀኣጉዳ ሀይስራኤሊት ለማኣን ይቩደይ ኢትዮጵያ ተባህለ ውድቭ ጽዒሩ፡፡ ብክኔሰት ሕጋዊ ክኸውንን ክጽድቕን (ክም) ሓሳብ ኡሪ ኣሪኤል ተባህሉ ናይ ፓርቲ ሀኢኹድ ሀልኡሚ ኣባል ክነሴት ብናይ ፓርቲ ሻስ ኣባላት ፤ መረፅ ፤ ፓርቲ ስራሕን ሊኩድን ተደጊፎም ኣቕሪቦሞ፡፡ ዓመት ባዓል ምህለላ ሎሚ ናይ እስራኤል ብሄራዊ ሕጊ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ በብዓመቱ ኣብ ዕለት 29 ወርሒ ኼሽቫን ብቢሮ ናይ ባህልን እስፖርትን ይኽበር ይባዓል፡፡ ከምኡ’ውን ነቲ ባዓል ቤት ጽሕፈት ቢሮ ትምህርቲ ናይ ባዓል ምህለላ ትምህርታዊ ምንቅስቓስ ይግበር ይብል፡፡ ኣብ’ቲ ዕለት ዓመት ባዓል ሰባት ካብ ቦታ ስርሖም ናይ መውሳዶም ኣማራጺ ክኸውን ብሕጊ ተወሲኑ፡፡ ናይ’ቲ ሕጊ መሰረት ኣጸሓሕፋ ዮም ይሩሻላም እዩ፡፡ እቲ ሕጊ ናይ ምሕጋጉ ናይ ጽሑፍ ምኽኒታት፡ ብክኔሴትን በሀገረ እስራኤል ተቐባልነት ረኺቡ ምጽዳቑ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰገረ ጥንታዊ ልምዲ ከይርሳዕ ኣብ ርእሲ ምግባሩ ንናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኣብ እስራኤል ሕብሬተሰበ ናይ ምትሕብባርን ሓደ ኣካል ናይ ምዃንን ስምዒት ዘህድር እዩ ተባሂሉ፡፡ ከምኡ’ውን እቲ ሕጊ ከምዝብሎ 29 ኼሽቫን ሻባት እንተውዒሉ ኣብ 27 ኼሽቫን ክልተ ማዓልትታት ኣቐዲምካ ሓሙስ ይባዓል፡፡ኣብ ኢትዮጵያ ይግበር ከም ዘነበረ ማለት እዩ፡፡ ቀዳም ኣብ ዝውዕለሉ ግዘ ናብ ሓሙስ ኣቐዲምካ ናይ ማብዓሉን ንጽባሒቱ ሰምበት ናይ ዘምግባሩን ምኽኒት ሰምበት ባሕቲ (ሰርቂ ወርሒ) ስለዝኾነን ብሰርቂ ወርሒ ስለዘይጽወምን እዩ፡፡

ኮይኖም ዝሓለፉ ክስተታት

November 23
The Sigd Holiday 22

ዓመት ባዓል ምህለላ

ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት ሺሮበር ናይ እየሩሳሌም መናፈሲ
23.11.2022 08:00 - 14:00
ዓመት ባዓል ምህለላ ኣብ እየሩሳሌም ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ዝካየድ ምኽባር ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተረኺብኩም ንኽትሳተፉ ብኽብረት ንዕድመኩም፡፤ እቲ ዓመት ባዓል ረቡዕ ሕዳር 23 /2022 (ካፍ ጤት ብኼሽቫን ታሽፓግ) እዩ ዝኽበር፡፡ ዝኽበረሉ ቦታ ጥቓ ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት መናፈሲ (መዘናግዒ) እዩ፡፡ ናይ’ቲ ዓመት ባዓል ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ሳዓት 8፡00 ናይ ንጉሆ ዝጂምር እንትኽውን መንግስትዊ ስነ ስርዓቱ ካብ ስዓት 12፡30 እዩ ዝጂምር ፡፡ በቲ ናይ ዓመት ባዓል ዕለት/ማዓልቲ ካብ ናይ እየሩሳሌም መናሀሪያ እተቡሳት ተሳተፍቲ ናብ’ቲ ቦታ ዝወስዳ እተቡሳት ብፉሉይ ተዳልየን ኣብ’ቲ ቦታ ክህልዋ እየን፡፡ ኣብ ርእሲ’ዚውን አብ ተፈላለያ ከተማታት ናብ’ቲ ባዓል ዝባዓለሉ እየሩሳሌም ዝወስዳ እተቡሳት አለዋ፡፡ እተቡሳት ከካብ ቦትኡ ዝብገሳሉ ቦታን ስዓትን ንምፍላጥ አብ ከተማታት ዝሕተተሎም ቦታታት ምሕታት ወይ ካኣ አብ ናይ መረዳእታ ቢሮ ናይ ኢንተርነት ድረ ገጽ ርኣዩ፡፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ድር ገጽ፡- https://www.gov.il/he/departments/hq-for-state-ceremonies-and-events
November 13
አብ እየሩሳሌም ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ ጸሎት

አብ እየሩሳሌም ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ ጸሎት

ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት ሺሮበር ናይ እየሩሳሌም መናፈሲ
13.11.2023 09:30 - 13:00
13/11/23 ብሰንኪ እቲ ኻራቦት ባርዜል ብዝብል ተሰየመ ውግእን ብመሰረት ናይ ደጀን እዚ ዘውጽኦ ትእዛዝን ዓመት ባዓል ምህለላ ከም'ቲ ኩሉ ግዘ ዝባዓሎ ለብዘበን ህዝቢ አኪባካ አይካየድን። ብኸም'ዚ እቲ አብ ጣየለት አርሞን ሀናጺብ ዝካየድ ጸሎት ካብ ስዓት 9:30 ክሳብ ስዓት 13:00 ጥራሕ ባአቕሽቲ እዩ ክካየድ። ምክያዱ ንህዝቢ በቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማእኸል ባህልን ቅርስን ድህረ ገጽ ፣ በፌይስቡክን ዩቲዩፕን ክፍኖ እዩ። ናይ ቡራኬ ስነ ስርዓት አይህሉን፣አይካየድን። እዚ ዝቐረበ ብቢሮ ሚኒስተር ናይ ባህልን ስፖርትን ፣ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን መንግስታዊ ማእኸል ባህልን ቅርስን፣ አቕሽትን ፣ መንፈሳዊ አመራርሓን ክፍሊ ናይ መንግስታዊ ስነ ስርዓታትን ድግሳትን እዩ።