ቤት መዝገብProjects - מרכז מורשת יהדות אתיופיה-תיגרינית
Research institute. illustration: Alemu Eshetie

እቲ ናይ ምርምር ትካል ብዝምልከት

ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ትካል ምርምር ባህልን ቅርስን ብናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ዝግበሩ ምርምራት ክዓቢዩን ክህፍትሙን የተባብዕ፡፡ እዚ ዝግበር ብተመራመርቲ ሰረሕተኛታቱ ናይ ምርምር ስራሕ ብምስራሕ ፤ ናይ ወጻኢ ተመራመርቲ ብምድጋፍ ፤ ከምኡ’ውን ተገበሩ ምርምራት ብምእካብን መርመርትን ዘይተመራመርትን ፤ ተራ ሰባት ብቐሊሉ ክረኽብዎም ብምግባር ምእንቲ ሐድሺን ጭቡጥን ምርምር ክግበር ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ትካል ባህልን ቅርስን ንዕኡ ዝሰርሕ ትካል ምርምርን ንናይ ተማሀሮ ዩኒበርሲትን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ምርምር ጸብላልነት ንዘርኣዩን በብዓመቱ ሺልማት ይሺልም፡፡ ንናይ ዩኒበርሲቲ ተማሀሮ ኣብ ትምህርቶም ጸብላልነት ንዘርኣዩ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይገብር፡፡
እቲ ትካል ዓመት ዓምት ብናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ሙሩጽ ዝብሀል ጉዳይ ጉባኤ የካይድቨ ፤ እንታይ ኣበይ ከምይ ብዝብል ዝርርብ ዝካየዱሎም ኣብ ከም ዓመት ባዓል ምህለላ ፤ ወፈራ ሙሴን ሰለሞንን ወ.ዘ.ተን ዝምዝኣምሰሉ ዕለታት፡፡ ብተወሳኺ ኩሉ ግዘ ናይ ኣጋይሽ መማህራን ዩኒቨርሲቲ ንገፊሕ ህዝቢ ብዘይ ምኽፋል ፤ ናይ ብኢንተርነት ትምህርቲ (ገላጻታት) ይግበሩ፡፡ እቲ ተቐድሐ ትምህርታዊ ገለጻ ኣብ ናይ’ቲ ትካል ዩቲዩብ ምርካብ ይካኣል፡፡