ዓመት ባዓል ምህለላ - מרכז מורשת יהדות אתיופיה-תיגרינית
The Sigd Holiday 22

ዓመት ባዓል ምህለላ

23.11.2022 08:00 - 14:00
ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት ሺሮበር ናይ እየሩሳሌም መናፈሲ
Streamed live Watch

ዓመት ባዓል ምህለላ ኣብ እየሩሳሌም
ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ዝካየድ ምኽባር ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ
ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተረኺብኩም ንኽትሳተፉ ብኽብረት ንዕድመኩም፡፤
እቲ ዓመት ባዓል ረቡዕ ሕዳር 23 /2022 (ካፍ ጤት ብኼሽቫን ታሽፓግ) እዩ ዝኽበር፡፡ ዝኽበረሉ ቦታ ጥቓ ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት መናፈሲ (መዘናግዒ) እዩ፡፡
ናይ’ቲ ዓመት ባዓል ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ሳዓት 8፡00 ናይ ንጉሆ ዝጂምር እንትኽውን መንግስትዊ ስነ ስርዓቱ ካብ ስዓት 12፡30 እዩ ዝጂምር ፡፡
በቲ ናይ ዓመት ባዓል ዕለት/ማዓልቲ ካብ ናይ እየሩሳሌም መናሀሪያ እተቡሳት ተሳተፍቲ ናብ’ቲ ቦታ ዝወስዳ እተቡሳት ብፉሉይ ተዳልየን ኣብ’ቲ ቦታ ክህልዋ እየን፡፡ ኣብ ርእሲ’ዚውን አብ ተፈላለያ ከተማታት ናብ’ቲ ባዓል ዝባዓለሉ እየሩሳሌም ዝወስዳ እተቡሳት አለዋ፡፡
እተቡሳት ከካብ ቦትኡ ዝብገሳሉ ቦታን ስዓትን ንምፍላጥ አብ ከተማታት ዝሕተተሎም ቦታታት ምሕታት ወይ ካኣ አብ ናይ መረዳእታ ቢሮ ናይ ኢንተርነት ድረ ገጽ ርኣዩ፡፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ድር ገጽ፡-

https://www.gov.il/he/departments/hq-for-state-ceremonies-and-events

Youtube thumbnail
  • This field is for validation purposes and should be left unchanged.