ስለ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን - מרכז מורשת יהדות אתיופיה-תיגרינית
אודות יהדות אתיופיה. איור: עלמו אישטה

ስለ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን

ንመጀመርታ ግዘ ይሁዳውያን ኢትዮጵያ ኣቲዮም ኣብ’ታ ዓዲ ምንባር ዝጀመሩ እዋን

ኣብ አትዮጵያ ናይ ይሁዳውያን ታሪኽ ክሳብ ዘበን መበል 14 ምኢታዊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቓል ብዝሓለፈ እንተዘይኮይኑ ብጽሑፍ ኣይተታሕዘን (ኣይተጻሕፈን)፡፡
ስለዝኾነ ናይ አትዮጵያ ይሁዳውያን ምንጪ (መቦቁሎ) ኢትዮያጰውያ ዝኣተዊሉ ግዘ ማዓዝ ምንባሩ ኣይፍለጥን፡፡ እዚ ብዝምልከት ንዓመታት ዝኣክል ዝባሀሉ ግምታት ኣለው፡፡
1.መቦቁሎ ናይ አትዮጵያ ይሁዳውያን ቤተ እስራኤል በዝብል’ውን ዝፍለጡ ካብ’ቶም ተሰደዱ ነገደ ዳን ወይ ቅድሚኡ ናይ እስራኤል ነገስታት ካብ ተፈላለይሉ እዋን እዩ፡፡
ኣብ ምድረ ኩሽ ተሰደዱ ይሁዳውያን ከምዘለዉ ኣብ መጽሓፍ ቀዱስ ብነብያታት ተጻሒፉ እዩ፡፡ በቲ እዋን (ሹዑ) ናይ ሓይሊ (ናይ ጉልበት) ስራሕ ይስራሕ፡፡ ንሱ ካኣ ኣብ ኣሶርን ግብጽን ፤ ኣብ ሀገራት ጳጥርስ ፤ ኣብ ኩሽ ፤ ኣብ ኢላም ፤ ኣብ ባቢሎንን ሃማትን ከምኡ’ውን ኣብ ሀገራት ናይ ገማግም ባሕርታትን ደሴታትን ዝነብሩ ኩሎም ስደተኛታት ወገናቱ ናብ ሀገሮም ክመልስ እዩ፡፡ በዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ተበቲኖም ዝርከቡ ብቱናት እስራኤለውያንን ናይ የሁዳ ተበተኑ ወገናትን ካብ ናይ ዓለም ኣርባዕተ ማኣዝናት ኣኪቡ ብምውሳድ ንናይ ዓልም ህዝብታት ምልክት ዘርእየሉ ተግባር ክኸውን እዩ (ኢሳያስ ምዕራፍ 11 ቁጽሪ 11 ክሳብ 12)፡፡ መጽሓፈ ኢሳያስ ናይ ኢትዮጶያ ቤተ እስራኤል ካብ ነገደ ዳን እዮም ዘይብል ምዃኑ ምጥቃስ የድሊ፡፡ካብ ነገደ ዳን ምዃኖም ንመጀመርታ ግዘ ተጠቐሰ ካብ ልደተ ክርስቶስ ኣብ መበል ዘበን ታሽዓይ ምኢታዊ ኣብ ናይ ኤልዳድ ሀዳኒ ጽሑፋት እንትኸውን ዳሕራይ ጸኒሑ’ውን ከም ራድባዝ ከም ዛኣምሰሉ ናይ ራባናት ምንጭታት (ጽሑፋት) ተጠቒሱ፡፡ ናይ ቀደም ናይ እስራኤል ርእሰ ካህናት ሃራብ ዑባዲያ ዮሴፍ ናይ ኤትዮጵያ ይሁዳውይን ብሓቂ ይሁዳውይን እዮም ኢሎም እንትውስኑ እዞም ተጠቐሱ ነገራት መሰረት ብምግባር እዩ፡፡
2.ምንጪ (መቦቁሎ) ናይ ኢትዮጶያ ይሁዳውይን ካብ ዘበነ መበል ሻዉዓይ ምኢታዊ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ካብ ግብጺ ካብ ተሰደዱ እንትኸውን ናይ ምስዳዶም ምኽኒት ኣብ ውሽጦም ካብ ዘይምቅድዳው ወይ ብናይ ደጋዊ ዘርኣውነት ዝመሰረቱ ተገበሩሎም ጸገም እዩ፡፡
ናይ’ዚ ግምታዊ ኣበሃህላ መሰረት ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውይን ሕብረተሰብ ዝብሃልን ዝዝረብን ፤ ብተመራመርቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ዝድገፍን እንትኸውን እዚ ድማ ምስ ናይ ግብጺ ብዬብ ኣልፈንቲና ተባህሉ ናይ ጥንቲ ይሁዳውያን ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ባህልን ዝመሳሰል (ስለዝመሳሰል) እዩ፡፡
3.ናይ ኢትዮጵያ ሁዳውያን ኣቦው ካብ ግብጺ ኣይተሰደዱን ካብ’ቲ ቡዙሓትን ዓብይ ትርጉምን ዝነበሮም ካብ ደቡብ ዓረብ (የመን) ዳኣምበር እዚ ተመራመርቲ ዝብልዎ ግምት ናይ ጂኦግራፊ ምቅርራብን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ካብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘበን መበል ሓምሻይ ምኢታዊ ጀሚሩ ናይ ምልውዋጥ ነግድን ባህልን ርክብ ምንባሩ ብርክት ዝበሉ መርገጽታትን መሰረትን ዝገበረ እዩ፡
4.ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ኣብህህላ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ንመጀመርታ ግዘ ብዝበነ ሰለሞን እዮም ኢትዮጶያ ኣትዮም፡፡ እዚ ኣበሃህላ እዚ እቲ ሰለሞንን ንግስተ ሰባን ምርኻቦም ፤ ብምርኻቦም እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዐበየ ምኒልክ ዝበሃል ወዶም ምውላዱ ኣብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽሓፉ ዝድግፍ እዩ፡፡
ምኒልክ ምስዓበዬ ኣቡኡ ነጉሰ ሰለሞን ንምርኣይ እየሩሳሌም መጺኡ፡፡ ድሕሪ ናይ እየሩሳሌም ዑደቱ እትዮጵያ እንትምለስ ካብ ናይ ነገደ እስራኤል ተወከልቲ ምስኡ ዓጂቦሞ ክኸዱ ሰለተገበረ ሓቢሮሞ ከይዶም፡፡ ካብ’ዚ እዩ ድማ ምንጪ ናይ ኢእተረዮጵያ ቤተ እስራኤል፡፡
እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሓለፈ ኣበሃህላ ክብረ ነገስት ካብ ተባህለ ናይ ኢትዮጵያ መጽሓፍ ናይ ኢትዮጵ ብሄራዊ ናይ ኣፍ ታሪኽ እንትኸውን ብናይ ኢትዮጵ ቤተ እስራኤል’ውን ይፍለጥ፡፡
5.ናይ ኢትዮጵ ቤተ እስራኤል ካብ ናይ ጥንቲ (ናይ ቀዳሞት ዘበን) ናይ ይሁዳውያን ማሕበረሰብ ኣይኮነን ፤ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኣገው ዝባሀሉ ነገድ ክስታን ኣብ መበል ዘበናት 14-15ተን ምኢታዊ ናይ ይሁድነት ሀይማኖት ተቐበሉ እዮም፡፡ እዚ ግምታዊ ኣባሀህላ ብሓደሓደ ተመራመተርቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓማዉቲ ተባህለ እንትኸውን ናይ ምባሉ ምኽኒት ካብ ዝባሀሉ ሓሐደ ኣባህህላታት ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኣብ ኢትዮጵያ ህልውና ብዝምልክት ናይ’ታ ዓዲ መራሕቲ ምዝራብ ዝጀመሩሉ ካብ መብል ዘበን 14 መኢታዊ ጂሚርካ ስለዝኾነ እዩ፡፡ እዚ ኣበሃህላ ብናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ንጡግ እዩ፡፡ ከምኡ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ናብ’ታ ዓዲ ሀይመኖት ክርስትና ቅድሚ ምእታው ጀሚሮም ኣብኣ ነሮም ይብሉ መብዛሕቲ ተመራመርቲ፡፡

ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውን ክሳብ ዘበን መበል 19 ምኢታዊ

ክም’ቲ ተባህለ ናይ ቅድሚ ዘበን መበል 14 ምኢታዊ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ታሪኽ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቓል ዝሓለፈ እዩ፡፡ ካብ’ቶም ኣባሃህላታት እቲ ሓደን ቐንድን ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ጊድኦናት ብዝበሀሉ ናይ ባዕልቶም ነገስታት ይምርሑ ምንባሮም ዘመልክት እዩ፡፡ ካብ’ቶም ነገስታት እታ ወሪይቲ ድማ ንግስቲ የሁዲት ተባህለት እንትትከውን ን40 ዓማውቲ ዝኣክል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነገሰትሉ ዘበን ኣብ ዘበን መበል ዓስራይ ምኢታዊ ብኣኣ ብዝምራሕ ሰራዊታ ናይ ኣኹሱም ክርስትያናዊ መንግስቲ ደምሲሳ፡
ኣብ ኢትዮጵያ ርእሱ ዛኻኣለ መንግስቲ ዘለዎም ይሁዳውያን ምህለዎም ኣብ ዘበን ሚደወል ኤጂስ ኣብ ሀገራት ኤውሮፓ ብብዝሒ ይስማዕ ነሩ፡፡ ኣብ’ዞም ላዕሊ ተጠቐሱ ናይ ኤልዳድ ሀዳኒ ጽሑፋትን ተጉዓዚ ይሁዲ ቢናም ካብ ቶሌዶ ኣብ ዝብልን ካልእን እዮም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ይሁዳውያን ህልውና ብዝምልከት ንመጀመርታ ግዘ ዝገልጹ ጽሑፋት ተጻሕፉ ብናይ’ታ ሀገር መራሕቲ እዩ፡፡ ካብ ዘበን መበል 14 ምኢታዊ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፖለቲካውን ሀይመኖታውን ነጻነቶም ምኽባር ዝደልዩ ይሁዳውያንን ኣብ መንጎ ናይ ክስታን መራሕትን ውግኣት ምክያዶም ዝሕብሩ ተደጋገምቲ ዛንታታት ኣለዉ፡፡
ኣብ መወዳእታ ይሁዳውያን ተሳዕርሉ ሓደ ውግእ ይሰሀቅ ተባህለ ንጉሰ ነገስት ክርስትና ምእታው ዝኣበየ ኩሉ መሬቱ ክውረስ እዩ ኢሉ ኣውጁ፡፡ ክርስትና ኣይንኣቱን ዝበሉ መብዛሕቲ ይሁዳውያን መሬቶም ተገዲፎም/ተመንጢሎም) ምስኣግደፍዎም ድማ ምስ ሰብ መሬት እናተኻረዩ ምሕራስ ጂሚሮም፡፡
ብኸም’ዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ካልእ በሊዖም ዝሓድሩሉ ናይ ምንባሮም መመረጺ ንምድላይ ተገዲዶም ብፍላይ ናይ ሓጺንን ማእለማን (ሰውኡት) ኣንስቲ ናይ ሻኽላን ሞያታት ኣማዕቢሎም፡፡ ይሁዳውያን በዞም ሞያታት ምስርሖም ናይ ክስታን ኣንጻሮም ዝነበረ ጽልኣት ኣግዲዱ፡፡ እቶም ሞያታት ሕሳራትን ክብሪ ዘየብሎምን ብምዃኖም ብፍላይ ናይ ሓጺን ስራሕ ሰብ ብዓይኒ ብምውጋእ ናይ ምሕማም ኣስማት ኣለዎ ኢሎም ስለዝኣምኑ፡፡
ናይ መራሕቲ ይሁዳውያንን ናይ ክስታንን ውግእ ክሳብ ዘበን መበል 17 ምኢታዊ ኣበ’ዚ እዋን እዚ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ነጻነቶም ጨሪሶም ስኢኖም፡፡
አብ ዘበናት ኣብ ካብ 1896 ክሳብ1900 (ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆጻጽራ ዘብን ካብ 1.888 ክሳብ1.892) እንተሎ ኣብ ቤተ እስራኤል በዚ እዩ ዘይብሃል መስዋእቲ ዝሐተተ ማዓት ኣብ ኢትዮጵያ ወሪዱ፡፡ ኣብ’ዚ ክፉእ ግዘ ተባሁሉ ዝፍለጥ ጥሜትን ተላገብቲ ሕማማትን ዘስዓበ ፍጥረታዊ ማዓትን ውግእን ተኸሲቶም፡፡በዚ ክፉእ ግዘ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘበን ካብ ሲሶ ክሳብ ክልተ ግዘ ሲሶ ዝኾኑ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውየን ምህላቖም ይግመት፡፡

ምስ ናይ ዓለም ይሁዳውያን ርክብ

ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኣበ ናይ ህልውንኦም ዘበናት ካብ ናይ ዓለም ይሁዳውያን ተፈሊዮምን ምስኣቶም ርክብ ዘየብሎም ይነብሩ ነሮም፡፡ ምስኣቶም ርክብ ናይ ኤውሮጳ ሚሲዮነራት ኣብኣቶም ዑደት ድሕሪ ምግባሮምን ህልውንኦም ብዝምልከት ካብ ኢትዮጵያ መረዳእታታት ድሕሪ ምምጽኦምን ኣብ ዘበን መበል መፋርቕ 19 ምኢታዊ ምስኣቶም ርክብ ተፈጢሩ (ተሓዲሱ)፡፡ እቲ ርክብ ኣብ ምጂማሩ ከም ብደብዳበታት ዝኣምሰሉ ተዘዋዋሪ መራኸብታት እዩ ነሩ፡፡ ኣብ 1855 (ብናይ ኢትዮጵያ 1863) ዳንኤል ቤን ኻናንያ ተባህለ ሓደ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ምስ ወዱ እየሩሳሌም ድሕሪ ምምጽኡ ቐጥታዊ ርክብ ተፈጢሩ፡፡ ዳንኤል ቤን ኻናንያ ምስ ናይ እየሩሳሌም ራባኒም ንኣዋርሕ ተቐሚጡ፡፡
ምስ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳያውን ርክብ ምሕዳሱን ሚሲዮነራት ኣብኣቶም ብሓይሊ ምንቀስቓሰሙን ናይ ዓለም ይሁዳውያን ናብኣቶም ልኡኻት ክሰዱ ገሩ፡፡ ቀዳማይ ልኡኽ ኣብ 1867 (ብናይ ኢትዮጵያ 1875) ዮሴፍ ሀለቪ ተባህለ ተሰዲዱ፡፡ ድሕሪኡ ፤ ድሕሪ 30 ዓማውቲ ድማ እቲ ሂወቱ ንናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያንን ናይ ዓለም ይሁዳውያንን ምስጣም ርክብ ዘወፈየ ተማሀሪኡ የዕቆብ ፋይትሎቢጭ ተባህለ ተሰዲዱ፡፡ ናይ’ዞም ልኡኻት ምንቅስቓስ ብናይ ኢትዮጵ ይሁዳውያን መረዳእታን ናይ ገንዘብ ወፈያ ምእካብን ሚሲዮን ምግዳልን ናይ ትምህርቲ ምንጻፋት ምትዕርራይን ነሩ፡፡
ናይ ኢትዮጵ ይሁዳውያን ሙሩጻት መናእሰይ ኣብ ኤውሮጳ ክማሀሩ ካብ ኢትዮጵያ ተወሲዶም፡፡ ድሕሪኡ ካብኣቶም ገለገሊኦም ኣብ ናይ እትዮጵያ መንግስትን ኣብ ማሕበረሰቦምን ተሰሪዖም ሰሪሖም፡፡ ካብኣቶም ከም ባዓል ታኣምራት ኢማኑኤል ፤ ጌጤ የርሚያ ፤ ዮና ቦጋለን ታደሰ ያዕቆብን ንምጥቃስ ካኣል፡፡

ኣብ ጅማሮ ዘበን ናይ መበል ዕስራ ምኢታዊ ቀዳሞት ዓሰርተታት ዓማዉቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ጽዮናዊ ኣመራርሓ ርክብ ተጠናኺሩ፡፡ ብኸም’ዚ ንኣብነት ኣብ ሓምሳታት ክልተ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውን ናይ ቆልዑ ጉጂለታት እስራኤል ክመጹ ተጌሩ፡፡ ናይ ምምጽኦም ዕላማ ክፋር ባትያ ኣብ ዝብሀል ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም ሰልጢኖም ኢትዮጵያ ናብ ሕብረተሰቦም ተመሊሶም መማህራን ምዃን እዩ፡፡ እንተኾነ’ውን እቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁደውያንን ናይ መንግስቲ እራኤልን ርክብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እሰራኤል እስራኤል ናብ ናይ ምምላሶም ደረጃ ኣይበጽሐን-ክሳብ ዘበን ሰብዓታት

ሀገረ እስራኤል ምእታዉ

እቲ ነገር ብመዝሙር ፤ ብጸሎታትን ኣብ ዓመት ባዓል ስግድን (ማሃላ) ከምዝንጸባረቕ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ናይ ጽዮን ባህግን ናፍቖትን ኩሉ ግዘ ነሩ እዩ፡፡ እዚ ባህግን ናፍቖትን ኣብ ብናይ ኤውሮጳ 1862 ዓ/ም ኣባ ማሓሪ ብተባህሉ ምንፈሳዊ መራሒ ብርክት ዝበሉ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ቀይሕ ባሕሪ ሰጊርካ እስራኤል ናብ ናይ ምምላስ ሙከራ ኣብጺሑ፡፡ሕማቕ ተዓናቐፈ ውጽኢት ዝነበሮ ሙከራ፡፡
ቁሩብ ግዘ ቅድሚ እስራኤል ምቋማን ቋይማ ኣብ ከይዲ ቀዳሞት 10 ዓማውታን ሓደሓደ ቁሩባት ካብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ስድራታት ገልገሊኦም ምስ ናይ የመን ይሁዳውያን እስራኤል ኣትዮም፡፡ እንተኾነ’ውን እስራኤል ባዕላ ሓሲባ ክተምጽኦም ኣደለይትን፡፡ ናይ ዘይምድላያ ካብ’ቶም ምኽኒታት ሓደ ይሁድነቶም አይተረጋገጸን ዝብል እንትኸውን እዚ ድማ እቲ ኾቅ ሀሺቡት ዝብሀል (ህዝበ እስራኤል ናብ ታሪኻዊት ሀገሩ ክምስ ዝገብር ሕጊ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ዝዓግት እዩ)፡፡ ኣብ ርእሲ’ዚ በቲ እዋን ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ኣብ ምድረ እስራኤል ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ምውህሀድ ኣይኽእሉን ዝብሉ ኣብሀህልታት ኣብ ናይ መንግስቲ ሰበ ስላጣናት ነሮም፡፡
ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ክመጹ ኣብ’ታ ዓዲ ድሌት እኳ እንተዘይነበረ ሓልሓሊፉን ብናይ በባዕልኻ ተላዕልነትን (ምልዕዓልን) ከም ቱሪስት ወይ ንስራሕ እናተባህለ ደቂ ናይ እትዮጵያ ቤተ እስራኤል መናእሰይ እስራኤል ኣቲዮም፡፡ ካብዚኦም ገልገሊኦም ናይ ሐደሽቲ ኣተውቲ ከርክቦም (ከውህቦም) ዘኽእል ጊዩር ልኹምራ እንትግበረሎም ዝተረፉ ብዘይ ሕጊ ኣብ እስራኤል እንትተርፉ ካብ ሀገር ናይ ምውጻእ ትእዛዝ ተወሂብዎም፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ድሕሪ ምግባሮም ሀራቭ ዑባድያ ዮሴፍ ተባህሉ ናይ ቀደም ናይ እስራኤል ርእሰ ካህናት ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ይሁደውያን እዮም ዝብል ውሳነ ወሲኖም፡፡ ግና እቲ ውሳነ መንግስቲ ተቐቢሉ ተሎ ኢሉ ክትግብሮ ኣይደለየን ፤ ይተግበሮን፡፡ ክሳብ ኣብ 1975 ዓ/ም ኾቅ ሀሺቡት ናይ እትዮጵያ ቤተ እስራኤል ዝምልከት ክኸውን ምግባሩ ጥራሕ እዮም ዝብል ውሳነ ምሕላፉ እንትኸውን መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ሀገረ እስራኤል ናይ ምምጽኦም ምንቅስቓስ ዘይምግባሩ ቀጺሉ፡፡ ስለዝኾነ ክሳብ 1977 ዓ/ም ኣብ እስራኤል ጥራሕ 200 ደቂ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ነሮም፡፡ እዞም ጠጠቐሱ ቁሩብ ማሕበረ ሰብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ይመጹ ዝብል ደብዳበ ፤ ሰላማዊ ሰልፍን ምስ ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣን ምስ ናይ እስራኤልን ናይ ዓለምን ብምርኻብን ዘይሕለል ጻዕሪ ጌሮም፡፡ ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ብናይ ኣመሪካ እቲ (AAEJ) ተባህለ ናይ ረድኤት ውድብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ናይ ዓለም መንግስታትን ይሁዳውያንን እውቀት ክህልዎም ንምግባር ዘኽእሉ ገለጻታት ንምግባር ይኸዱ ነሮም፡፡ ድሕሪ እዚ እቶም ይሁዳውያን ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ናይ እስራኤል መንግስቲ ጸቕጢ ፈጢሮም፡፡
ናይ’ቲ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ንኽመጹ ተገበረ ቃልሲ ውጽኢት እቲ ምምጽኦም ዕላማ ዝገበረ ምናኼም በጊን ናብ ናይ መንግስቲ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ፍረ ተረኺብዎ፡፡ እዚ ቀዳማይ ሙከራ ኣብ 1977 ተቓኒዑ፡፡ እዚ ዝኾነ ምስ’ታ እስራኤል ምስኣ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘይነበራ ኢትዮጵያ ምሽጣራዊ ስምምዕ ድሕሪ ምግባራ እዩ፡፡
እቲ ስምምዕ እስራኤል ንኢትዮጵያ ወታሀደራዊ ሐገዝ ክትገብርሞ ናይ ምግባራ ዋጋ ኢትዮጰጵያ ምስ ቤተ ስድራ ምውህሀድ ብዝብል 200 ካብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ንኽመጹ ክትፈቅድ ዝብል እዩ፡፡
ግና እቲ ምሽጥራዊ ስምምዕ እቲ ሽዑ ናይ እስራኤል ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ዝነበረ ሞሼ ዳያን ንማኣኽናት ዜና ድሕሪ ምቅልዑ 121 ሰባት ድሕሪ ምምጽኦም ተቋሪጹ፡፡
ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ምምጻእ ኣብ 1979 ዓ/ም ኣብ መንጎ ሞሳድን ተንቀሳቐስቲ ፈረደ ኣክሎምን ቡሩኽ ተገኘን ፡ ዚምና ብርሃኔ ፡ ዘካሪያስ ዮና ርክብ ድሕሪ ምፍጣሩ ተሓዲሱ፡፡ ብናይ እዚኣቶም ሓገዝ እስራኤል ናይ ምምጻእ ሓድሽ መገዲ ድሕሪ ምፍጣሩ ዓሰርተታት ኣሻሓት ዝኾኑ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ኣጸጋምን ሚሽጥራውን ናብ ዝኾነ ሚሽጥራዊ ናይ እግሪ ናብ ሱዳን ጉዕዞ ተበጊሶም ካብኡ ድማ እስራኤል ኣቲዮም፡፡
እቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንሰሙናትን ኣዋርሕን ተኻይዱ፡፡ ተጉዓዝቲ ካብ ናይ መንግስቲ ወታሀደራትን ናይ መገዲ ዘረፍትን እናተሓብኡ እቲ ሕማቕ ናይ ጉዕዞ መገድ’ውን ብስእነት ዝስተ ማይን ምግብን ንምሕላፍ ተገዲዶም፡፡
ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ክሳብ እስራኤል ናይ ምእታው ዕድል ዝረኽቡ ኣብ ናይ’ታ ሀገር ናይ ስደተኛታት ካምቦታት ንኣዋርሕን ዓመታትን ተጸቢዮም ፤ ጸኒሖም ፡፡ ኣብ’ቶም ካምቦታት ናይ ምግብን ናይ ጥዕናን ኩነታት ዝታሓተን ዝሓመቐን ኣብ ርእሲ ምንባሩ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ስደተኛታት ናይ ሱዳን መንግስትን ይሁዲ ዘይኮኑ ስደተኛታትን ይመቓነይዎም ነሮም፡፡ ካብ’ቶም ስደተኛታት ብርክት ዝበሉ ኣብ’ቶም ካምቦታት በቶም ሕማቓት ኩነታት ተሰኵኖምን ኣብ ናይ እግሪ ጉዕዞኦምን ሂወቶም ስኢኖም፡፡ ከም’ቲ ዝግመት 16.000 ካብ’ቶም ስደተኛታት እስራኤል እንትኣትዉ 4.000 ዝኾኑ ኣብ ናይ እስራኤል ጉዕዝኦም ሂወቶም ሰኢኖም፡፡
እቲ ብናይ ሞሳድ ፤ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ተንቀሳቐስትን ፤ ናይ እስራኤል ሓልታት ኣየርን ባሕርን ተሳታፍነት ተኻየደ ጉዕዞ ን10 ዓማውቲ እዩ ተኻይዱ፡፡ ወፈራ ሙሴ ተባሂሉ ተሰየመ ጉዕዞ ካብ ሱዳን ናብ እስራኤል ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ካብ 11/11/84 ክሳብ 5/1/85 ተኻይዱ፡፡ እዚ 6.000 ሓደሽቲ ኣተውቲ እስራኤል ዝኣተውሎ ወፈራ ብናይ መንግስቲ ኣመሪካ ኢድ ኣእታውነት ምስ ናይ ሱዳን መንግስቲ ናይ ተገበረ ሚሽጥራዊ ስምምዕ ውጽኢት እዩ፡፡ እቲ ወፈራ ድሕሪ ንወርሕን ፈረቓን ምክያዱ ተቋሪጹ፡፡ ምኽኒት ምቁራጹ እናተኻየደ ምዃኑ ናይ እስራኤል ሰበ ስልጣን ምቅልዖም እዩ፡፡ እቲ ምቅላዕ ንናይ ሱዳን መንግስቲ ኣሕፊሩ፡፡
ብዘይካ’ዚ ካልኦት ኣናእሽቲ ወፈራታት ኣብ 80ታት ተኻይዶም እዮም፡፡ ኣብ’ዘን ዓማውቲ እዚእን ኣብ እስራኤል ዝነብሩ እስራኤል ናይ ምእታዎም ጻዕርታት ዘካይዱ ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል እስራኤል ናይ ምምጽኦም ጻዕሩ ከይዳኽም ጸቕጢ ምግባሮም ቀጺሎም፡፡ ኣብ 1989 ድሕሪ ናይ 10 ዓማውቲ ርክብ ምቁራጽ እስራኤል ምስ ኢትዮጵያ ድፕሎማሲያዊ ርክባ ኣሕዲሳ፡፡ ድሕሪ ምሕዳሳ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ቐጥታ እስራኤል ምእታውም ተጀሚሩ፡፡ ብናይ ኣብ እሰራኤል ዝርከቡ ደቂ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤልን ናይ አመሪካ እቲ (AAEJ) ውድቫትን ብርክት ዝበሉ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያንን ቁሸታቶም እናገደፉ ኣብ ከባቢ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ እስራኤል ኢምባሲ ምቕማጥ ጀሚሮም፡፡
ኣብ መጀመርታ እስራኤል ምምጽኦም ቀስ ኢልካን ቆቁሩብን ሹዑ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል በዘሕጉስ ተኻይዱ፡፡ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ደቂ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ናይ ብሱዳን ጉዕዞ ድሕሪ ምቁራጹ ካብኡ ዝተረፉ ቤተሰባት ይውሃሀዱ ብዝብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ይፈጥሩ ነሮም፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሕድሕድ ውግእ እናኸፍኤ ብዝምጸ ቁጽሪ ደቂ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ጻዕሪ እናሓየለ መጺኡ፡፡ ስለዝኾነ ውድባት ጽሪ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ እናተቓረቡ ብምምጽኦም ኣብ’ታ ኸተማ ተኣኪቦም ዝርከቡ ይሁዳውን ካብ’ቲ ቦታ ብህጹጽ ንኽወጹ ናይ እስራኤል መንግስቲ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 1991 ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡
ናይ እስራኤል ምንግስቲ ምስ ሳራዊት መከላኸሊ ፤ ምስ ሞሳድ ፤ ምስ ቤት ጽፈት ጉዳያት ወጻኢ ፤ ምስ ይሁዳዊ ሲኽኑትን ኣብ እስራኤል ምስ ዘርከቡ ነባራት ናይ እትዮጵያ ቤተ እስራኤልን ኣጸጋሚ ንዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ናይ ምምጻእ ወፈራ ምድላዋት ተጀሚሮም፡፡ እቲ ወፈራ ፤ ወፈራ ሰለሞን (ሚብጻ ሺሎሞ) ተባሂሉ ተሰየመን ይሁዳውያን ካብ ናይ ስደት ሀገራት እስራኤል ናይ ዝኣተዉሉ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዛባሀል ወፈራ ኣብ 23 ወርሒ ጉምበት 1991 ጀሚሩ፡፡ ካብ ምጅማሩ ኣብ ውሽጢ 36 ስዓታት ብናይ 34 በረራታት ነፈርቲ 14.000 ይሁዳውያን እስራኤል ኣቲዮም፡፡ ድሕሪ እዚ ወፈራ ሰለሞን እስራኤል ተወከልታ ናብ’ታ ብሰማንያታት ብሰንኪ ተቓወምቲ መንግስቲ ውድባት ምእታው ኣጸጋሚ ዝነበረ ከባቢ ቋራ ሰዲዳ፡፡ ድሕሪኡ ካብ 1992 ክሳብ 1999 እንተሎ ነበርቲ እዚ ከባቢ እስራኤል፡፡
ናይ መወዳእታ ካብ ኢትዮጵያ እስራኤል ዝኣተውን ምእታዎም ክሳብ ሕጂ እናቐጸለ ዝርከብን እቶም ናይ እስራኤል ዘርኢ ዝባሀሉ (እንተሎ ፈለስ ሙራ ወይ ተረፍ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ብዝብል ዝፍለጡ) እዮም፡፡ ናይ’ዚኦም መሰረት ካብ ቤተ እስራኤል ኮይኑ ኣብ ዘብን መበል 19 ምኢታዊ ዝኸስተኑ እዮም፡፡ ግና ከስቲኖም ምስ ማሕበረሰብ ክስታን ዘይተወሀሀዱን ኣብ’ተን ኣብ’ተን በዘይብሃል ኩነታት ኣብ ክስታን ወይ ኣብ የሁዳውያን በዘይብሀል ዝጸንሑ እዮም፡፡ ሓልሓሊፉ’ውን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ አስራኤል ኣዝማዶም ይሁዳውያን ማሕቨራዊ ርክብ ዝቐጸሉ ነሮሞም፡፡
እዞም ማሕበረሰብ እዚኦም ብመሰረት ኾቅ ሀሺቡት እስራኤል ምእታው ስለዘይኽእሉ ብሓደ ገጽ ድማ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ካብኣቶም ቤተሰብ ስለዘለውዎም ምእታዎም ኣጸጋሚ እዩ፡፡
ኣብ ርእሲ እዚ’ውን እቶም ናይ ፈለስ ሙራ ሕብረተሰብ እስራኤል ንምምጻእ ኣብ ዘጽበይሉን ብጉዳዮም ውሳነ ክሳብ ዝሓልፍን ናይ ጊዩር ምድላዋት ብምግባር ይማሀሩ እዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ሓልሓሊፉ ብርክት ዝበሉ ናይ እስራኤል ዘርኢ ጉጂለታት እስራኤል እንትኣትዉ ብኸም’ዚ 50.000 ነብሲ እስራኤል ኣትዮም፡፡ እንተኾነ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ እስራኤል ንምእታው ዝደልዩ (ዝሓቱ) ገና ኣሻሓት ኣለዉ፡፡
ክሳብ መወዳእታ ናይ 2020 ዓ/ም ኣብ እስራኤል 159.500 ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ይርከቡ፡፡88.500 ካብ’ዚኦም ኣብ ኢትዮጵያ ተወለዱ 71.000 ኣብ እስራኤል ተወለዱ እዮም፡፡

ናይ ኢትዮጵያ ቤተ አስራኤል መንፈሳዊ መራሕቲ

ካህናቶም (ኣቕሽቶም) ከም’ቶም ናይ ኩሎም ይሁዳውያን ራባኒም ማለት እዮም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ መራሕትን ጓህርን ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ዝነበሩ እዮም፡፡ ሕገ ኦሪትን ናይ ኦሪት ትእዛዛትን ኣብኣቶም እዩ ነሩ፡፡ ተንክፍ ሀይማኖታዊ ዝኾነ ኩሉ ብናታቶም ሓላፍነት እዩ ነሩ፡፡ ኣብ ዘድሊ’ውን ኣብ ማሕበረሰቦም ጻልዋ ይገብሩ ነሮም፡፡ ናይ ኦሪትን ስርዓትን እውቀቶም ኣብ ውሽጢ ማህበረሰብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤልን ካብኦም ወጻእን ናይ መሪሕነት ስልጣን ኣውሂብዎም (ክህልዎም ገሩ) ኣብ መንጎ ሰባት ኣብ ናይ ዘይምቅድዳዋት ኣገጣምታት ሸምገልትን ዓበይትን ንምፍታሕ ኣብ ዘይካኣልሉ ኩነታት እቲ ነገር በኣቕሽቲ ይፍታሕ ነሩ፡፡
ቀሺ (ካህን) ናይ ኦሪት ትምህርቱ ኣብ ዕድመ ሸውዓተ ሸሞንተ ዓማውቲ እዩ ዝጅምር፡፡ ክሳብ ተማሂሩ ኣጽኒዑ ዝምረቕ ከም ናይ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣብ’ቶም መለኩሴታት እዩ ዝቕመጥ፡፡ ምስተማህረ ድሕሪ ምምርዓዉ እዩ ንቕሺነት ዝሺወም፡፡
ድሕሪ ምሻሙ መንፈሳዊ መራሒ ክኽውን ብሕብረተሰቡ ይምረጽ፡፡ መራሕቲ ናይ ኣቕሽቲ ሊቀ ካህናት ብኹሎም ናይ’ቲ ክፍለ ሀገር ኣቕሽቲ ተመረጸ እዩ ዝኸውን፡፡ ንሱ ድማ ናይ’ቲ ክፍለ ሀገር ላዕለዋይ መንፈሳዊ (ሀይማኖታዊ) መራሒ እዩ፡፡
ቀሺ ሓያም ዘይኮነት ጓል እዩ ዘእቱ፡፡ ኣብ ፍሉይን ዝኸረረን ኩነታት እንተዘይኮይኑ ሰበይቱ ምፍታሕ ኣይኽእልን፡፡ እዚ’ውን ጉዳዮም ድሕሪ በቶም ከፋትሑ ዝኽእሉ ላዕለዎት ኣቕሽቲ ምጽራዩ እዩ፡፡ ናይ ቅሽነት ሺመቱ ብዘየዳኽም-ብዘይጎድእ፡፡ ሰበይቱ ዝሞተቶ ቀሺ ምንእሰይ ይኹን ዓብይ ጓል እዩ ክእቱ ዝኽእል፡፡ ቀሺ ድሕሪ በቶም መለኩሴታት ንቕሺነት ምሻሙ ኣብ ዝነብረሉ ቁሸት ኣብ ዝካያድ ስነ ስርዓት ብኽቡራት ኣሽቲ ይሺወም፡፡ እቲ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝርከቡሉ ዝካየድ ስነ ስርዓት ብምግቢ ፤ ቡራኼታትን መዛሙርን ይካየድ፡፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ናይ ቅሺነት ማዓርግ ክቡር እዩ፡፡
ኣቕሽቲ ነበርቲ ቁሸታት ይመርሑን ናይ ማዓልቲ ማዓልቲ ጸገማት ብዝምልከት ወሰንትን
ነሮም፡፡ ተግባሮም ናይ ንጽህና ፤ ቅንዕነት ፤ ክብርን ግቡእ ኣከያይዳን እዩ ነሩ፡፡
ኣብ ዘገልግልዎም ሕብረተሰቦም ናይ ኣብነት ተምሳላት፡
ናይ ኣቕሽቲ ኣልባሳት ኩሉ ግዘ ጻዕዳ (ናይ ንጽህናን ጽርየትን ምልክት) እዩ ነሩ፡፡ ኣራእሶም በጻዕዳ ሻሽ ተጠምጠመ እንትኸውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስሓዙ እዮም ኣይፈልዩን፡፡
ቀሺ ሰለስተ ቐንዲ ቐንዲ ስራሕቲ ኣለውዎ፡-
ሓደ ሀይማኖት ዝምልከት እንትኸውን ፤ ብናይ ስራሕን ናይ ባዓላትን ዕለታት ምምራሕ ጸሎት ፤ ኣብ ዓመት ባዓል ቁርባን ምቕራብ ፤ ንጽህናን ርኽሰትን ፤ ምትእትታውን ምፍታሕን ከምኡ’ውን ትምህርቲ ኦሪትን ብዝምልከት፡፡ ካልኣይ ስርሖም ማሕበራዊ እዩ፡፡ ቀሺ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ማሕበራዊ ቅርርብ ክህሉ ምግባር፡፡ ኣብ ባእስታትን ዘይምቅድዳዋትን መፍትሒ ኣብ ዘድሊ’ውን ጽሪ እምቢተኛታት ወገናት ኣድላይ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል፡፡ ሳልሳይ ተግባሩ ሀይማኖቶም ናብ ናይ እስራኤል ክልውጡ ዝደሊዩ ዘይሁዳውያን ብሰነ ስርዓት እናገረዝካ ናብ ይሁድነት መቕባሎም እዩ፡፡
ኣቕሽቲ መብዛሕቶም ከም ኩሎም ካልኦት ይሁዳውያን ስርሖም ማሕረስ ኣይነበረን፡፡ግዚኦም ኣብ ትምህርቲ ኦሪት ብምውዓል ካብ ሕብረተሰቦም ብዝዋሀቦም በረኸታን ብዝግበሎም ናይ ወፈያ ሓገዝን ይነብሩ ነሮም፡፡ ስለዝኾነ ናብርኦም ትሑት እዩ ነሩ፡፡
ኣብ ዓበይቲ ቁሸታት ኣቕሽቲ ነሮም፡፡ እንተሎ ንናይ’ቲ ከባቢ ኣናእሽተይ ቁሸታት ነበርቲ ግልጋሎት ዝገብሩ፡፡ ካልእ ተወሳኺ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ሀይማኖታዊ (መንፈሳዊ) ስራሕ ናይ መሎኩሴታት እዩ፡፡
ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል መሎክሴነት ዳሕራይ ኣብ ዘበን መበል 15 መኢታዊ ተጀመረ እዩ፡፡ መሎክሴነት ካብ ናይ ማሕበረሰብ ናብራ ርእሶም ኣግሊሎም ርሒቖም ንምንባርን ብብሕታውነት ኦሪት ምምሀር ዝመርጹን እዮም፡፡ናይ እምነት ሚሽጥር ዝፈልጡን ንቅሺነት እናምሀሩ ዝሸሙን እዮም፡፡

קסים בפתח המסגיד
ליקה כהנת קס ברהן ברוך עם קס אדנה טקויה אוחזים באורית
מכון מחקר. איור : עלמו אישטה

ምርምር

ብናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ናይ ባህልን ቅርስን ማዕኸል ምርምርን መጽናዕትን

ארכיון המרכז למורשת יהדות אתיופיה. איור: עלמו אישטה

ቤት መዝገብ

ቤት መዝገብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ባህልን ቅርን