ቤተ እስራኤል ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዘበናት ናብርኦም ናብ እየሩሳሌም ብሀንቀውታ እዩ ነሩ-ናብ ሓደጋታት ዘብጽሖም ሀንቀውታ፡፡ ሀንቀውትኦምን ናፍቖቶሙን ኣብ ኩሉ ናይ ናብርኦም ከይዲ ይንጸባረቕ ነሩ፡፡ ብ ጸሎት ፤ ኣብ ናይ ሕጎስ ድግሳትን ኣብ ናይ ሓዘንን፡፡ ኣብ ዓበይቲ ጸገማት እኳ እንተነበሩ ሀይማኖቶም ብጥብቂ ኣኽቢሮም፡፡እየሩሳሌም ናይ ምምጻእ ድሌቶም ዋላ ንሓንቲ ማዓልቲ’ ኣይተቋረጸን፡፡ እስራኤል ናይ ምምጻእ ቀዳሞት ሙከራታት ኣብ ጂማሮ ዘመን መበል 19 ምኢታዊ ተኻይዱ፡፡ኣብ መፋርቕ እዚ ምኢታዊ (1855 ዓ/ም) ዳንኤል ቤን ኻናንያ ተባህለ ሞሼ ምስ ተባህለ ወዱ ብምኽኒት ጽዮናዊነት እየሩሳሌም መጺኦም፡፡ ኣብ’ቶም ሙከራታት ዓብይ ትርጉም ዘለዎ እስራኤል ናይ ምእታው ናይ እግሪ ጉዕዞ ሙከራ ኣብ 1862 ዓ/ም ብኣባ ማሓሪ ተኻየደ እዩ-መባዛሕቲ ካብ ሞከርቱ ሂወቶም ዝሳኣኑሉ ናይ እግሪ ጉዕዞ፡፡
ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያንን ናይ ዓለም ይሁዳውያንን ርክብ ብናይ’ቶም ዮሴፍ ሀለቪ ተባህሉ ናይ ምብራቓውያን ሀገራት ሙሁር ጉዕዞ ተሓዲሱ-ድሕሪኡ ዶክተር የዕቆብ ፋይትሎቢጭ ብተባህሉ ተማሀሪኦም ቀጺሉ፡፡ እዚ ርክብ ቤተ እስራኤል እየሩሳሌም ናይ ምምጻእ ተስፋ ኣብ ልቦም ኣሕዲሩ፡፡
ይኹን ዳኣምበር ናይ ይሁዳውያን ዓበይቲ ወሰንትን ናይ እስራኤል ትካላትን ሀይማኖት ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ብዝምልከት ዘይምርድዳእ ነርዎም፡፡ እዞም ናይ ዘይምርድዳእ ጸገማት እኳ እንተነበሩ ኣብ 1955 ዓ/ም ኣብ እስራኤል ንኽምሀሩ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ፈሩት ቆልዑ ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ክመጹ ተገሩ፡፡ ዳሕራይ ገለገሊኦም ውድቭ ኦርት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቖሞም ቤተ ትምህርቲ መማህራን ንምዃን ኢትዮጵያ ተመሊሶም፡፡
ኣብ 1973 ሀራብ ዑባድያ ዮሴፍ ሀርሾን ልጽዮን ቤተ እስራኤል (እቶም ፈላሻ) ይሁዳውያን እዮም ዝብል ውሳነ ወሲኑ (ኣሕሊፉ) ኣብ ዝሕለፎ ውሳነ መንግስትን ይሁዳዊት ሶኹኑትን ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኣምጽኡ ኣድሕኑ ክብል ጸዊዑ፡፡ መንግስቲ እቲ ውሳነ ተቐቢሉ ኣብ 25 ወርሒ ሓምለ 1975 ዓ/ም ኾቅ ቨሺቩት ክምልከቶም ወሲኑ፡፡ ኣብ 1977 ዓ/ም ምናኼም በጊን ናብ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ድሕሪ ምድያቦም ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ክመጹ ኣዚዞም፡፡ መምህር ፈረደ ኣከሎም ካብ ናይ’ቲ ጨካን መንግስቱ ይለማሪያም ኣጽፋር ኣምሊጡ ካርቱም ኣቲዩ፡፡ ካብኡ ናብ ኻይም ሀላኸሚ ደብዳበ ድሕሪ ምስዳዱ ንናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ናይ ብሱዳን ምምጽእ ሚሽጥራዊ መገዲ ተኸፊቱ፡፡ ካብኡ ድማ ኣሻሓት ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ንምምጻእ ናብ ናይ ሱዳን ካምቦታት ስደተኛታት ኣቲዮም፡፡
እቶም ብርክት ዝበሉ ኣባይቶምን ንብረቶምን እናገደፉ ናብ ኣንፈት ሱዳን ዘበሉ መናእሰይ ዓበይትን ሙሉኣት ቤተ ስድራን ናይ ኣሻሓት ዘበን ሕልሚ ንምትግባር ተንቀሳቒሶም፡፡ንቐደም ናይ ትግራይን ወልቃይትን ይሁዳውያን እንትመጹ ድሕሪኡ ካብ ከባቢ ጎንደርን ካልኦትን ስዒቦም፡፡ ካብ’ቶም ዛጊድ እስራኤል ዝኣተዉ ዝበጽሖም ወረን ደብዳበን ናይ ምምጸእ ድሌቶም ኣጠናኺሮም እቲ ናይ አግሪ ጉዕዞ ሓያልን ሓደገኛን’ኳ እንተነበረ ወጺኦም ተበጊሶም፡፡ ዘረፋ ፤ ምሕያል ኣንስቲ ፤ ደቂ ኣንስቲዮን ሞትን ነቶም ይሁዳውያን ኣብ መገዲ ካብ ኢትዮጵያውንን ኣብ ወሰን ዓድን ካምቦታትን ካብ ሱዳናውያንን ተጸቢየምዎም፡፡
ኣብ 1991 እስራኤል ናይ ዝኣተወት ኣብ መገዲ ጓላ ዝጠፍኣታን መዋድቕ ናይ ባዓል እንድኣ ዘይፈለጠትን ሰበይቲ ምስክርነት ከምዝስዕብ እዩ፡
ብሱዳን ጌርካ እስራኤል ናይ ምምጸእ ጉዕዞና ኣብ 1989 ዓ/ም ጀሚርና፡፡ ብግምት ኣብ መፋርቕ ዝኸውን ናይ ጉዕዞና መገዲ ሰነይትና ጠፊኦም፡፡ድሕሪኡ ብዘይ ምግብን ማይን ዋለ ሓንቲ ዘየብልና ተሪፍና፡፡ ካብ ሞት ንምትራፍ ሓመድ በሊዕና፡፡ ኣብ ጉዕዞና ብናይ ሱዳን ወታሀደራት ተገደፈ ወታሀደራዊ ሰፈር ረኺብና፤ሰብ ዘይነበሮ፡፡ ኣብኡ ሓደ ኩንታል ሕሩጭ ረኺብና፡፡ እቲ ሕሩጭ ን 30 ሰባት ተማቒልና ካብኡ ንጉሆ ንጉሆ ስብቆ እንዳሰቦቕና ቆልዑ ካብ ሞት ንምትራፍ ኣብሊዕናሉ፡፡ ግና ጓለይ ካብ ሞት ንምትፍ ኣይካኣልኩን፡፡ ሞይታ ኣብ መገዲ ገዲፈያ ፤ እንተሎ ተዳኺሙ ዝነበረን ጉዕዞ ምቕጻል ዘየካኣለን ኣቦይ ገዲፈ፡፡ ሎሚ ኣዚዩ ዘሕዝነኒ ኣቦይ እንታይ ከምዝኾነ ዘይምፍላጠይ እዩ፡፡ናይ ኣቦይ ቤተ ስድራ ኣብ እስራኤል ድሕሪ ምእታዎም ኣቦይ ከምይ ኮነ ኢለ ሓቲተዮም ግና ምላሽ ኣይሀቡንን ፤ ሐደ ነገር ከምዝሓብኡኒ፡፡ እዚ ድማ ኣዚዩ ዝኸፍአ ነገር እዩ፡፡ ሎሚ ኣነ ዝልምነኩም ኣቦይ ንምርካብ ክትሕግዙኒ እዩ፡፡ ጥዕናይ ፤ ናይ ኣካለይ ኮነ ናይ ነብሰይ ተለዋዊጡ እዩ፡፡ ናይ ሳይኮሎጂን ሳይካየቺሪን ምክትታል እንተገበረለይ እርከብ፡፡ ብሰንኪ ሓዘንን ናይ ኣቦይ መዋድቕ ዘይምፍላጥን ሂወተይ ሙሉእ እናተሳቔኹ እርከብ፡፡
ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እብ’ቶም ናይ ስደተኛታት ካምቦታት ቡዙሕ ስቓይ ኣሕሊፎም፡፡ ሀይማኖቶም ከይቃለዑ ኩሉ ገዘ ይፈርሑ ነሮም፡፡ ንኣሻሓት ሂወት ዝስኣና ሕማማት’ውን ሓሚሞም፡፡ ናይ ናብርኦም ኩነታት ሕማቕን ንምሽካሙ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ዓመጻትን ናይ ሓይሊ ተገባራትን ኣብ ኩሉ ቦታ ነሮም፡፡ ሞት ተለመደ ኮይኑ ኣሻሓት ቤተ ስድርኦም ስኢኖም፡፡
ኣዲኣን ጓል ሽዱሽተ ዓማውቲ ጓላን ናይ ዝስኣነት ሰበይቲ ምስክርነት፡
ናብ ናይ ኤረጽ ይስራኤል ናይ እግሪ ጉዑዞና ፤ ባዓል ቤተይን ኣነን ምስ ጓል 41 ፤ ወዲ 11 ፤ ወዲ 8ተን ጓል 6ተን ዓማውቲ ኣርባዕተ ደቅና ፤ እንተሎ ኣቦይ ፤ ዓባይ ሓፍተይ ምስ ጓላ ፤ ንእሽተይ ሓፍተይን ተበጊስና፡፡ ንጉሆ እዩ ነሩ ሀገረ ቅዱስ እስራኤል ንምእታው ናብ ሱዳን ተበገስናሉ እዋን፡፡ እቲ ጉዕዞ ሰለስተ ኣዋርሕ ወሲዱልና፡፡ ለይቲ ነቒሕና ንሓድር ብማዓልቲ ንጉዓዝ፡፡ኣብ መገዲ ብስእነት ምግብን ካልኦት ብዙሓት ጸገማትን ተሳቒና፡፡ ምግብን ማይን ተወዲኦሙና ጥራሕ ኢድና ተሪፍና፡፡ ብሰንኪ እዚ ኩሉ ስቓይ ክልተ ኣሕዋተይ ስኢነ፡፡ኣብ ናይ ሱዳን ጉዕዞ ነብሰ ጹር ነረ፡፡ ሱዳን ምስኣተና ተሳቒዬ፡፡ ጥንሰይ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ነሩ ፤ ሱዳን ምስኣተና ወዲ ወሊደ፡፡ እቲ ሐጻን እንትውለድ ውኒኡ ዘይፈልጥ ብምንባሩ ዝሞተ መሲሉኒ ነሩ፡፡ ግና ኣምላኸ ይመስገን ነብሲ ፈጢሩሉ ድሓን ኮይኑ፡፡ ብሰንኪ ተበላሸወ ምግቢ ጻባ ስለዘይነበረኒ ነቲ ሕጻን ከጥዉቦ ኣይካኣልኩን፡፡
ኣብ ሱዳን ሓደ ሙሉእ ዓመት ጸኒሕና፡፡ ኣብ ዝጸናሕናሉ ስፋዋ ኣብ ተባህለ ናይ ስደተኛታት ካምቦ ኣደይ ሞይታ ፤ንእሽተይ ጓል 6 ዓማውቲ ጓለይ’ውን፡፡ ኣብ ናይ ገዳሪፍ ካምቦ ስደታኛታት ስኢነ፡፡ ኣብ ሱዳን ዓመት ድሕሪ ምጽናሕና ንምውሳድና ካብ እስራኤል ነፋሪት መጺኣ፡፡
እዚ ጽሑፍ ናይ ዘለኣለማዊ ዘኽሪ ፕሮጀክት ካብ ዝብል ናይ ደፍተር ጽሑፍ ተወሰደ እዩ፡፡
ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም
ዘላኣለማዊ ዘኽሮም ኣብ ገጽ ታሪኽ ናይ ህዝበ ይህዳውያን ተሓንጺጹን ተመዝጊቡን ይንበር፡፡
ኣብ ዕለት ናይ እየሩሳሌም ማዓልቲ ናይ ሀገር ፕረዘደንት ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ፤ ናይ ብሄራዊ ትካላት ተወከልለቲ ፤ ዉዱባት ናይ ፉሩያት ቆልዑን ህዝብን ኣበ ተሳተፉሉ ኣብ እምባ ሄርጸል ናይ ዘኽሪ ስነ ስርዓት ይካየድ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማእኸል ናይ ባህልን ቅርስን ዋና መካየዲ ስራሕ ቆልዓ ብዝነበረሉ ኣብ ሱዳን ከመይ ከምዝሓለፈ እዚ ማዓልቲ ብምጥቃስ ከምዝስዕብ ጽሒፉ፡
ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ ናይ መወቲ ብዝሒ ይውስኽ ይዓቢ፡፡ እቲ ሞት ዓበይቲ ፤ ሕጻውንቲ ፤ ኣንስትን ሰውኡትን ኣይብልን፡፡ ሞት ኣብ’ቲ ናይ ስደተኛታት ናይ ካምቦ ናብራ ተለመደ ኮይኑ-ተለሚዱ፡፡ ኣብ’ቲ ካቦ ጣቢያ ጥዕና የለን ፤ ናብ ናይ’ታ ቀረባ ዝኾነት ከተማ ኣስቢዳለ ተወሰዱ ድማ ብሂወት ኣይምልሱን፡፡ናይ ስደተኛታት ካምቦታት ከም ናይ ሞት መጻወዲያ ኮይኖም፡፡ ሞት ለይትን ማዓልትን በብደቒቑ ምሳና ኮነ፡፡ ብርክት ዘበሉ ቤተ ስድራ ፤ ሰውኡት ፤ ኣዴታት ፤ ቆልዑ ፤ ሙሉእ ሂወቶም ናብ እየሩሳሌም ዝሓለሙ ሺማግለታት ፤ ገና ናይ ጻሓይ ብርሀን ዘይራአዩ ሕጂ ተወለዱ ሕጻውንትን ክሳብ ናይ መወዳእታ እስትንፋሶም ሂወቶም ንምትራፍ ተቓሊሶም፡፡ ብዘሕዝን ኣሻሓት እናተሰኮኑ ከም ኣበባ ሓደ ደድሕሪ እቲ ካልእ ረጊፎም፡፡ ቤተ ስድራ ብሞት ጠሪሶም እናሀለቑ ከምዘይነበሩ ይኾኑ፡፡ ወለዲ ደቆም ይቐብሩ፡፡ ምድረ ሱዳን ብዘይ ሓዘን ኣፋ ከፊታ ክትውድኣናን ብዘይ ዘኽሪ ከትርፈናን እያ፡፡ ኣቀባብራ መወቲ’ውን ምቕባር ኣይኮነን፡፡ ሀይማኖትና ከይፍለጥ ብዝብል ዝነበረ ዓብይ ስግዓትዝሞቱ ፍትዋት ቤተ ስድራና እንትንቀብሮም’ውን ኣይገደፈናን፡፡ኣብ ናይ ሱዳን ተረገመ ምድርን ኣበ ናይ እየሩሳሌም ጉዕዞን ኣሻሓት ሞይቶም፡፡
ብሱዳን ጌርካ ናይ እየሩሳሌም ጉዕዞ ናይ ቤተ እስራኤል ኣሻሓት ሂወት ኣስኢኑ፡፡ ክሳብ ሎሚ ናይ 1.620 መውታት ሺማት ኣብ ናይ ዘኽሪ መዛግብ ተመዝጊቡ ይርከብ፡፡ ገና ኣብ ናይ ዘኽሪ መዝገብ ዘይተመዝገቡ ብርክት ዝበሉ ኣለዉ፡፡(ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ናይ እስራኤል ገዕዞ 4.000 ሰባት) ሞይቶም ዝብሉ ኣለዉ ግና እዚ ጪቡጥ ምስክርነት የብሉን)፡፡ እቶም ኣብ ጉዕዞዝሞቱ ዘይተመዝገቡ ክምዝገቡ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማዕኸል ባህልን ቅርስን ተኻእሎ ጻዕሪ እናገበረ እዩ፡፡ ናይ’ቶም ሂወቶም ዝሳአኑ ቤተ ስድራ ተፈተውቲ ቤተ ስድርኦም ብምሟቶም ምስሓዘኑ እዮም፡፡
ሺማት ሂወቶም ናይ ዝሳኣኑ ናይ ምእካብ ፕሮጀክት ዋና ውጽኢት ፤ ጥቅምቲ 2015
በቲ ፕሮጀክት ተኣከቡ ሺማት ናይ ምውታት ንቤተ ስድርኦምን ንኹሉ ህዝበ እስራኤልን ከም ናይ ሙሉእ ዓለም ምልክት እዮም፡፡ ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ብተገበረ ምእካብ ሺም መወትን ምዝገባን ናይ 1.620 ምውታት ናይ ምሟቶም ምስክርነት ተረኺቡ፡፡ እስራኤል ናይ ምእታው ሕልሞም ዘይተሳኽዐ ናይ ኣንስቲ፤ ሰውኡትን ቆልዑን፡፡
ዝቕጽሉ ውጽኢታት ብተፈላለየ ኩነታት መንን ከመይን (ካቲጎሪዮት) ብዝብል ካብ’ቲ ፕሮጀክት ብቑጽሪ ምኢታዊ (ኣኹዚም) ካብ ናይ ምዉታት ሺም ዝቐረበ እዩ፡፡ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም፡