መዋድቖም ዘይተፈለጠ – מרכז מורשת יהדות אתיופיה-תיגרינית

መዋድቖም ዘይተፈለጠ

እየሩሳሌም ናይ ምምላስ ናይ አሻሓት ዓማውቲ ሕልምኹም ንምትግባር ሓደ ማዓልቲ ካብ ኣባይትኹም ወጺእኹም፡፡መብዛሕትኹም ብለይትን ማዓልትን ፤ ብኩድብታታትን ቆላታትን ፤ ብናይ ኢትዮጵያን ናይ ሱዳንን በረኻታትን ዱራትን ብጽምኣት ማይን ጥሜት እንጀራን ተጓዓዝቲ ጉጂለታት ዝመራሕኹም ኢኹም፡
ነቲ ይሁዳውያን ካብ ሞት ናይ ምትራፍ ካብኡ ንላዕሊ ዘይለ ዕላማ እንተዘይኮይኑ ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ንባዕልኹም እንተይሓሰብኩም ሰሪሕኹም፡፡ ተሪር ብዝኾነ እምነት ብምስራሕ ነቶም ኣዚዮም ዝደኸሙ ብእግሮም ተጉዓዝቲ ኣብነት ኮይኖም፡፡
ካብ ሹዑ ናይ ዓሰርታታት ዓማውቲ ግዘ ሓሊፉ፡፡ ግና ናብ’ታ ሕልምኹም እየሩሳሌም ድማ ገና ኣይኣተኹምን፡፡ ብድሕሪትኩም ወለዲ ፤ ኣሕዋትን ቆዑን ገዲፍኩም፡፡ ንሕና እኳ ዛጊድ ነዊሕ ኮይኑና ኣብ’ታ ቓል ተኣተወትላ ሀገር ካብ እንኸውን ተሎ ኢልኩም እቲ ሕልምኹም ናይ ምትግባር ጉዕዞ ክሳብ ትዛዝሙ ንጽልይን ንጽበይን ኣለና፡፡
ኣዒንትኹም ንላዕሊ ክብ ኣቢልኩም ጠምቱ፡፡ እዞም መን ከምዝፈጠሮም ፤ ብቑጽሪ ሰራዊት ዘውጽእ ፤ ንኹሎም በሺሞም ይጽውዕ ፤ ካብ ብዙሓት ሓይልን ትብዓት ሓይልን ዝጎደለ ሰብ የለን (ኢሳይስ ምዕራፍ 40 ቀጽሪ 26)

ናይ ዝጠፍኡ ሙሉእ ሺም ዝርዝር ኣርኢ