ኣብ እስራኤል ተቐባልነቶም/ናብርኦም - מרכז מורשת יהדות אתיופיה-תיגרינית

ኣብ እስራኤል ተቐባልነቶም/ናብርኦም

አብ 80ንያታት ብሱዳን አብ ተስዐታት ቐጥታ ካብ ኢትዮጵያ እስራኤል ዝአተዉ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ( ቤተ እስራኤል) ብክልተ ወፈራታት እዮም መፂኦም።ምብፃ አኺም ብዝባሀል ወፈራ አብ ናይ ሰማንያታት ዓመታት ምብፃ ሺለሞ ብዝባሀል አብ 91።ካብ ኢትዮጵያ እስራኤል ናይ ምምፃእ ገና እናቐፀለ እንትኸውን ሕጂውን ንምምጻእ ዝጽበዩ አብ ናይ መፀበይ ካምቦታት ብርክት ዝበሉ ይርከቡ።ሐደሽቲ አተውቲ ንቐደም ናብ ናይ ጊዚያዊ መፅንሒ እናተወሰዱ አብኡ ክቕመጡ ይግበር፣ከም ካረቫናት አብ ዘአምሰሉ ብይሁዳዊ ሶኹኑት ዝምሓደሩ።
ናይዞም ማእኸላት እዚኦም ሰራሕተኛታት እቶም ሐደሽቲ አተውቲ ዓዲ ክለምዱ ፣ ተፈላለዩ ናይ ናብራ ናይ ግልጋሎታት አካላት ክፈልጡ ሐጊዘሞም/ይሕግዝዎም። ትካላት ፣ ጥዕና ብዝምልከት ከም ጣቢያ ጥዕና ፣ ትምህርቲ ፣ ስራሕን ወ.ዘ.ተ ዛኣምሰሉ።
ሐደሽቲ አተውቲ ናብ ቀወምቲ ናይ ናብርኦም አባይቲ ድሕሪ ምሕላፎም አብያተ መዛገጃ ንዓዓቶም ዝኾኑ ሐድሽ ናብርኦም ዘቃልሉ ተፈላለዩ ፕሮግራማት ፣ መደባት አዳሊዮም። ካብ’አቶም ሞቄድ ቅሊጣ ፣ አብ ወተሀደርነት ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ወታሀደርት ፍሉይ ክፍልን ንስራሕ ፍሉያት መደባትን ተገረሙሎም። ግና እዚ ኩሉ አብ ክንዲ ንናብርኦም ዝሕግዝ ፣ ካብ ማሕበራዊ ናይ ሐባር ናብራ አርሒቕዎም። ከም መሰረታዊ ዝኾነ ዘርአውነት ፣ ናይ ሓደሽቲ አተውቲ ሐደሽቲ ብምዃኖም ፈላላይ ዝአምሰሉ ነገራት ፈጢሮም።

New immigrants from Ethiopia in their immigration centre at Hulda. Photo: Peer Vered, IPPA
Photo: Peer Vered IPPA
KINDERGARTEN TEACHER TAKING HER ETHIOPIAN CHILDREN FOR A WALK IN THE ABSORPTION CENTER AT KIRYAT GAT. Photo: Nati Harnik GPO
Photo: Nati Harnik, GPO
AN ETHIOPIAN IMMIGRANT LISTENING TO A RADIO ON A BENCH AT
Photo: Amos Ben Gershom, GPO
P.M. YITZHAK RABIN SPEAKING WITH NEW ETHIOPIAN IMMIGRANT RESIDENTS OF THE NAHAL BEKA CARAVAN NEIGHBORHOOD. Photo: Avi Ohayon, GPO
Photo: Avi Ohayon, GPO
NEW IMMIGRANTS FROM ETHIOPIA STUDYING HEBREW IN A SAFED ABSORPTION CENTER ULPAN
Photo: Elpert Nathan, GPO
NEW ETHIOPIAN IMMIGRANTS LEARNING HEBREW IN A CLASS AT THE ASHKELON ABSORPTION CENTER. Photo: Nati Harnik, GPO
Photo By: Nati Harnik, GPO
SINGING AND DANCING AT KFAR TABOR MOBILE HOMESITE,WITH CHILDREN FROM NEARBY MOSHAVIM, OPERATION SOLOMON, ETHIOPIAN IMMIGRANTS. Photo: Doron Horowitz GPO
Photo: Doron Horowitz, GPO
ETHIOPIAN IMMIGRANTS DEMONSTRATING IN FRONT OF THE CHIEF RABBINITE IN JERUSALEM, AGAINST THE RABBINITES REFUSAL TO RECOGNIZE THEM AS JEWS. Photo: Nati Harnik, GPO
Photo By: Nati Harnik, GPO
ETHIOPIAN IMMIGRANTS DEMONSTRATING OUTSIDE THE KNESSET AGAINST PATRONIZING OFFICIAL ATTITUDES TO THEIR ABSORPTION BY THE CHIEF RABINATE, THE JEWISH AGENCY. Photo: Nati Harnik, GPO
Photo: Nati Harnik, GPO
IMMIGRANT BOYS FROM ETHIOPIA AT GADNA TRAINING IN A MILITARY BASE IN THE NORTH. Photo: Nati Harnik, GPO
Photo: Nati Harnik, GPO
ONE OF THE GADNA RECRUITS IN HIS CLASSROOM DURING A LECTURE ON ZIONISM. Photo: Nati Harnik, GPO
Photo: Nati Harnik, GPO
NEWLY ENLISTED ETHIOPIAN IMIGRANT BOYS ON PARADE AT GADNA (YOUTH BATTALION) CAMP IN THE NORTH. Photo: Nati Harnik, GPO
Photo: Nati Harnik, GPO
A TOAST FOR OPERATION SOLOMON Photo: Vered Peer, IPPA
Photo: Vered Peer, IPPA

ቀወምቲ መንበሪ ኣባይቲ

ገዛ፡ ከም’ቲ ተባህለ ናይ ኢትዮጵያ ናይ 80ታትን 90ታትን ሐደሽቲ ኣተውቲ ከም’ቶም ካልኦት ሓደሽቲ ኣተውቲ እስራኤል ብዝኣተዉሉ ግዘ ቐጥታ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ገዛ ኣይተመርሑን፡፡ ንነዊሕ ግዘ ናብ ዝጸንሕሉ መጽንሒ ቦታታት ዳኣ ተወሰዱ’ምበር፡፡ ከም’ዚ ናይ መግባሩ ምኽኒት እቶም ሓደሽቲ ኣተውቲ ብዙሕ ትምህርቲ ተማህሩ ስለዘይኮኑ ፤ ሒዘሞ ዝመጹ ንብረት ስለዘየብለሙን ዝብሉን ካልኦት ተፈላለዩ ነገራትን እዩ ዝብል እዩ፡፡ ኣብ እስራኤል ሓድሽ ስሩዑ ናብርኦም ናይ ንምትሓዝ ናይ 5 ዓማውቲ ግዘ ክኸውን ተወሲኑ፡፡ ኣብ መጀመርታ ፤ እስራኤል ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ጊዚያዊ መርካዝ ቅሊጣ ብምጽናሕ ድሕሪ ዓመት ናብ ቀዋሚ ገዛ ክውሰዱ ዝብል እዩ ነሩ እቲ ናይ ምምሕዳር መደቭ፡፡ ኣብ 80ታት መብዛሕቲ ካብ’ቶም ሓደሽቲ ኣተውቲ ብፍላይ ናይ ማእኸል ዓዲ ናብ ዘይኮኑ ሰፈራት ቀወምቲ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ተመሪሖም፡፡
እዚ ኣከያይዳ ኣብ ተስዓታት ድሕሪ ወፈራ ሰለሞን ተለዊጡ፡፡እቶም ሓደሽቲ ኣተውቲ ክሳብ ሕጂ ድኽም ናብ ዝበሉ ብዙሕ ምዕቡላት ዜኮኑ ከባብታት ብምስዳዶም ዓበይቲ ፈላላያት ብምፍጣሮም ነዞም ካብ 1991 ዓ/ም ዝመጹ ሓደሽቲ ኣተውቲ ኣዝዩ እንተይኮነ ክብር ኣብ ዝበሉ ከባብታት ኣብ’ቲ ክገዝኡ ዘኽእሎም ብዙሕ ገንዘብ ክውሀቡ ድሕሪ ምውሳኑ ተዋሂብዎም፡፡ እንተኾነ’ውን ናይ ኢትዮጵ ሓደሽቲ ኣተውቲ ኣብ ኣጸገምቲ ናይ ማእኸል ሀገር ሰፈራት ኣባይቲ ገዚኦም ተኣኻኺቦም፡፡

ስራሕ

ሓለፍቲ ሓድሽ ናብራ ናይ ወፈራ ሞሴ ሓደሽቲ ኣተውቲ ስራሕ ብዝምልከት ጥራሕ ንዓኣቶም ዝኸውን ፉሉይ ናይ ስራሕ ስርዒት የድሊ እዩ ብዝብል እዩ እቲ ነገር ተረዲኦም፡፡ እዚ ዝገበሩ እቶም ሓደሽቲ ኣተውቲ ትምህርቶምን ሞያዊ ስልጠንኦምን ምስ ናይ እስራኤል ንዓኣቶም ሐድሽ ዝኾነ ናይ ስራሕ ስርዓት ኣከያይዳ ስለዘይሳነ (ሰለዘይኸይድ) እዩ እዚ ተገሩ፡፡
እዚ ናይ ስራሕ ስርዒት ንምፍጣር ቢሮ ናይ ጉዳያት ሓደሽቲ ኣተውቲ እናተቐበልካ ምንባር ፤ ቢሮታት ስራሕን ትምህርትን ከምኡ’ውን ብጆይንትን ይሁዳዊት ሶኹኑትን ዝምርሑ ተሳቲፎሙሉ፡፡ቅድሚ ኩሉ ጥራሕ ንናይ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣተውቲ ናይ ሞያን ስልጠና ኮርስታት ክህልዉ ተገሩ፡፡ ኣብ’ቶም ኮርስታት ዝመሀሩ ባዓል መን ብዝብል በጾታውነቶምን ናይ ትምህርቲ ደረጂኦምን ተለሊዮም፡፡ መብዛሕቲ ካብ’ቶም ኣወዳት ኣብ ፋብሪካታትን ህንጻን ናይ ምስራሕ ሞያ እንትስልጥኑ መብዛሕቲ ካብ ደቂ እነስቲዮ ድኹማት ናይ ምጽዋር ፤ ናይ ስፌት ዓለባን ናይ ወርቂ ስራሕን ስልጠና ሰልጢነን፡፡ ናይ 12 ዓማውቲ ትምህርቲ ተማሀሩ ከም ናይ ሕገዛ ሕክምና ስኒ ፤ ናይ ጉዳያት ማሕበራዊ ስራሕን ኣካውንቲንግን (ናይ ሕሳብ ትምህርቲ) ስልጠና ሰልጢነን፡፡
ካልኣይ ነቶም ሐደሽቲ ኣተውቲ ንናይ እስራኤል ናይ ስራሕ ዓለም ክለምዱ ናይ ምልማዱ ስልጠናታትን ብናይ ሓለፍቲ ስራሕ ውልቃዊ ናይ ምልምማድ ሐገዝ ተገረሙሎም፡፡ እቶም ኣብ’ቲ ናይ ስልጠና ኮርስ ሐገዝቶም ስራሕ ክረኽቡ ኣብ ምግባር ዋላ ድሕሪኡ ናይ ሰራሕተኛ ኣብ ቦታ ስራሕ ዘለዎ መሰል ብዝብልን ሓጊዘሞም፡፡
ካብ 90ታት ጀሚሩ ንናይ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣተውቲ ኣንስቲ ክሰርሓ ምድጋፍ ብዝብል ኤሼት ኻይል ዝብል ፕሮግራም ተዳሊዩለን፡፡ ከምኡ’ውን ናይ ኣንስቲ ንናይ ባዕልኻ ናይ ስራሕ ፕሮጀክትን ቀለልቲ ናይ ነግዲ ስራሕትን ክገብራ ዝድግፍ ኤሼት ኻይል ዝባሃል መደብ ተመደሀቡ፡፡

ትምህርቲ

ትምህርቲ ኣብ 80ታት እስራኤል ናይ ምምጻእ ከይዲ ናይ ደቂ ኢትዮጵ ይሁዳውን ኣብ ሀይመኖትዊ ትምህርቲ ክመሀሩ ዝገብር ውሳነ መንግስቲ ኣሕሊፉ፡፡ እዚ ተገበረ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ምስ ናይ እስራኤል ሀይማኖተኛታት ብምፍላጥ ናይ ሀይማኖት ናይ ክልቲኦም ወገናት ስርዓት ንምውህሀድ ተባሂሉ ተሰርሐ እዩ፡፡ እዚ ውሳነ ነቲ ወለዲ ሓደሽቲ ኣተውቲ ሓዊስካ -ኣሳቲፍካ) ደቆም ኣበይ ክማሀሩ ከምዘለዎም ናጻ መማረጺ ዘለዎ ኣከያይዳ (ሕጊ) ዘንጸባርቕ እዩ፡፡እዚ ውሳነ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ብዘይ ምምኽኻር ተወሰነ እዩ፡፡
ተወሳኺ ውሳነ ናይ ኢትዮጵያ ፉሩያት ቆልዑ ኣብ ናይ ዓልያት ሀኑኣር ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ይማሃሩ ዝብል እዩ፡፡ እዚ ኣከያይዳ እዚ ሓደሓደ ጽልዋታት ኣስዒቡ፡፡ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ፉሩያት ቆልዑ ውሱንን መማረጽታቱ ኣብ ተጻበበን ቦታ ምምሀሮም እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ክሳብ 1992 ዓ/ም ተማሀሮ ደረጂኡ ክብ ናብ ዝበለ ተሪፉ ናይ ናይ ኢድ ሞያ ትምህርቲ ክማሀሩ ገሩ፡፡ ካላኣይ ቦታ ትምህርቶም ካብ ወለዶም ርሑቕ ብመንባሩ ናይ ኣታዓባቢይኦም ትምህርቲ ካብ ወለዶም ናብ’ቶም ኣብያተ ትምህርቲ ኮይኑ፡፡ እዚ ውሳነ ኣብ ናይ 80ታት ናብ እስራኤል ምምጻእ ቁሩብ ቅቡል እኳ እንተነበረ (በዚ ግዘ እዚ ብርክት ዝበሉ ቆልዑ ብዘይ ወለዲ እስራኤል ዝኣተዉ ብምንባሮም) ዋላ ምስ ቤተ ስድርኦም ዝኣተዉ’ዉን ብጃምላ ናብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ተሰዲዶም፡፡ እዚ ኣከያይዳ ነቶም ምስ ሙሉእ ቤተ ስድርኦም ዝመጹ ንናይ ወፈራ ሺለሞ ሓደሽቲ ኣተውቲ ምቹው ኣይነበረን፡፡ ይኹን እንበር ካብ መፋርቕ 90ታት ጀሚሩ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ቆልዑ ኣብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ምምሀሮም እንዳነከየ መጺኡ፡፡

ሰራዊት መከላኸሊ

ኣብ 80ታት ምስ ይሁዳዊት ሶኹኑት ፤ ምስ ኣልያት ሀኑኣርን ናይ ቢሮ ሚስተር ቅሊጣን ብምትሕብባር ሰራዊት መከላኸሊ ናይ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣተውቲ ኣብ ሰራዊት መከላኸሊ ናይ ምግልጋሎም መደቭ መደብ (ፕሮግራም) ኣዳሊዩ፡፡ እዚ መደብ ኣብ’ቲ ሰራዊት ናይ ምግልጋል ምድላው ፤ ኣብ ናይ ግለጋሎት ግዘ ንወታሀደራት ደገፍን ካብ ሰራዊት መከላኸሊ ወታሀደራዊ ግለጋሎት ወዲእኻ ምልቃቕን ዝሓቖፈ (ዝነበሮ) ነሩ፡፡ ኣብ ጂማሮ እቲ ወታሀደራዊ ግልጋሎትን ቅድሚ ናይ ሓደሽቲ ተወደብቲ ዕላዊ ወታሀደራዊ ልምምድን (እቶም) ሓደሽቲ ወታሀደራት ማጌን ጽዮን ኣብ ዝባሀል ናይ ምድላው መደብ 3 ኣዋርሕ ናይ ልምምድ ኮርስ ገሮም፡፡ እቲ ኮርስ ናይ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣተውቲ ኣብ ሰራዊት መከላኸሊ ወታሀደራዊ ኩነታት ኩሉ ክለምዱን ናይ እስራኤል ታሪኽ ዘለዎም እውቀት ዘግፍሕን እዩ፡፡ ኣብ መጀመርታ ኩሎም ንወታሀደርነት ተወደብቲ ብዘይ ሕቶ (ምሰዚ ኣይደልን ናይ ምባሎም’ውን መማረጺ ነሩ)፡፡ ኣብ ጂማሮ 90ታት እዚ ኣከያይዳ ተለዊጡ ተወደብቲ ናብ 3 ጉጂለታት ከፊልካ ናይ ምልላዮም መደብ (ፕሮግራም) ተጀሚሩ፡፡
ኣበ’ቲ ናይ ምልላይ ዝግበረሎም ፈተነ ከከም ክእለቶም ኮይኑ ምክፍፋሎም፡፡ ምክፍፋሎም ሓደ ጉጂለ እቲ ኮርስ ሙሉእ ብሙሉእ ዝሓልፍ ካላኣይ ጉጂለ እቲ ኮርስ ብሓጺር ናይ ሓደ ወርሒ ዝሓልፍን ሳልሳይ ጉጂለ ከም ናይ ኩሉ ከም’ቲ ልሙድ ተወዳብነት ተኸቲቡ ቐጥታ ናይ ሓደሽቲ ተወደብቲ ታዕሊም ዝገብር እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ ወታሀደራዊ ግልጋሎት ናይ’ቶም ወታሀደራት ብልሙድ ኣከያይዳ ዘይተፈትሑ ሓደሓደ ሕቶታትን ጸገማቶምን እናሰምዐ ዝፈትሕ ፉሉይ መኮነን ተገሩሎም፡፡ ብተወሰኺ’ውን ዝኾነ ሞያ ይነበሮም ወታሀደራት ኣብ ወታሀደርነት እናሀለዉ ይኹን ድሕሪ ምልቃቖም ናይ ሞያ ስልጠና ኮርስታት ክገብሩ ሰራዊት መከላኸሊ የተባበዖምን ይሕግዘሙን ነሩ፡፡
ከምኡ’ውን ወታሀደራት ኣጋ ወታሀደራዊ ግልጋሎት ምዝዛሞም ኣብ ናይ ሲቪል ናብርኦም ዝጠቕምዎም ከም ናይ ወታሀደርነት ዘገልገሉ መሰል ፤ ስራሕ ናይ ምስራሕ (ምሓዝ) ዛኣምሰሉን ወ.ዘ.ተን፡፡