በቲ ቤት መዝገብ - מרכז מורשת יהדות אתיופיה-תיגרינית

በቲ ቤት መዝገብ

ארכיון

ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማዕኽል ናይ ታሪኽ ቅርሲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳያን ታሪኽ ዝሓዘ እንትኸውን እቲ ታሪኽ ከእከብ ፤ ከምዝገብን ክትሓዝን (ክሕሎ) ከምኡውን ኩሉ ሰብ ብቐሊል ክረኽቦ ንምግባር ይሰርሕ፡፡ እቲ አኪብካ ተጠራቒሙ ተታሕዘ ኣብ’ቲ ቤት መዝገብ ዝርከብ ታሪኽ ብጽሑፍ ተታሕዙ ቁምነገራት ፤ ስእልታት ፤ ናይ ቪድዮ ፊልም ፤ ናይ ድምጺ ቅድሓት ፤ ናይ ጋዜጣታት ጽሑፋት ፤ ክርኣዩ ዝግባእ ናይ ኢድ ሞያታትን ይርከብዎ፡፡

ናይ’ቲ ቤት መዝገብ ትሕዝቶ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኣብ ኢትዮጵያ ናብራ ፤ ሀፍታም ባህሎም ፤ ይሁድነቶም ንኽፍለጥ ዝገበርዎ ቃልስን እስራኤል ንኽመጹ ዝካየድዎ ናይ እግሪ ጉዕዞን ዘንጸባርቕ ምስክር እዩ፡፡

እቲ ናይ ቤት መዝገብ ታሪኻዊ ትሕዝቶ ኣብ ርእሲ መሰረት ምግባር ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውይን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሓለፈ ውርሰትን ባህልን ቀንዱ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቓል ዝሓለፈ ምዃኑ ምጥቃስ አድላይ እዩ፡፡ እዚ ንምዕቃብ  ፤ ንምሓዝን ናብ መጻኢ ወለዶ ንምሕላፍን ናይ ኢትዮጵያ ሁዳውያን ማእኸል ናይ ቅርሳዊ ታሪኽ ውርሰት ብስእሊ ተደገፈ ናይ መንፈሳዊ አመራርሕኦም ፤ ናይ ዓበይቶም ፤ ናይ ኣሲሬይ ጽዮንን (ናይ ጽዮን እሱራትን) እስራኤል ናይ ምምጻእ ተንቀሳቐስትን ብቕርሲ ናይ ምሓዝ ፕሮጀክት ንግባር ወሲኑ፡፡ ናይ’ቶም ኣብ እስራኤል ነባራት ደቂ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ናይ ልዕልን ታሕትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ተወረሰ ውርሰት ዘንጸባርቕ እዩ፡፡

ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማዕኽል ናይ ታሪኻዊ ቅርሲ ኣብ’ቲ ማእኽል ተታሓዙ ታሪኻዊ ነገራት ምእካቡ ኣብ ምቕጻል እዩ፡፡ ብጽሑፍ ተታሕዙ ቁምነገራት ፤ ስእልታት ፤ ፊልማት ፤ ናይ ቃል ቅዳሕ ፤ ፍቓዳትን ወይ ዝኾኑ ግቡኣት ነገራትን ዘለውኹም ንናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማዕኽል ናይ ታሪኻዊ ቅርሲ ቤት መዝገብ ብምሃብ ናይ ኢትዮጵያ ሁዳውይን ታሪኽ ኣብ ምዕቃብ ተሳተፍቲ ኩኑ፡፡ ናይ’ቲ ማእኸል ሕጊ መሰረት ብምግባር እቲ ዝሓዞ ትሕዝቶ ስርዓትን ሓደ ድሕሪ እቲ ካልእ በብተርኡ ብዝግባእ ክኸውን ኩሉ ግዘ ንሰርሕ ኣለና፡፡ ከምኡውን ናይ ሰብ ውልቃዊ ሚሽጥርን ናይ ፈጠርቲ መሰልን ብምኽባር፡፡ በቲ ኣብ ቤት መዝገብ ቀሪቡ ዝርከብ ታሪኻዊ ነገር ምጥቃም ብመሰረት ሕጊ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማዕኽል ቅርሲ እዩ፡፡