እስራኤል ምእታውን (ምምጻእን) ናይ ምምጻእ ሙከራታትን፡ - מרכז מורשת יהדות אתיופיה-תיגרינית

እስራኤል ምእታውን (ምምጻእን) ናይ ምምጻእ ሙከራታትን፡

ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ናይ እየሩሳሌም ናፍቖት ፤ ሀንቀውታን ሀረርታን ንወለዶታት ዝኣክል ኣይተቋረጸን፡፡ እዚኦም ኮሎም ድማ ብጸሎት ፤ ኣብ ዓመት ባዓል ምህለላ (ስግድ) ብዝምራ ፤ ኣብ ናይ ሓጎስ ድግሳትን ናይ ሓዘን ምርኻባትን ተንጸባሪቖም፡፡ እየሩሳሌም ነብሶም ነራ እንተሎ ሕጂ’ን እያ፡፡ ኣባ ማሓሪ ተባህሉ መንፈሳዊ መራሒ ኣብ 1862 ዓ/ም እየሩሳሌም ንምእታው ብርክት ዝበሉ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ሒዞም ብናይ እግሪ ጉዕዞ ናብ ኣንፈት ቀይሕ ባሕሪ መሮሖም ተጓዒዞም፡፡ ይኹን ዳኣምበር እቲ ጉዕዞ ኣይተሳኽዐን፡፡ ስለዝኾነ ብምፍሻሉ መባዛሕቲ ካብ’ቶም ተጉዓዝቲ ኣብ መገዲ ሂወቶም እንትስእኑ ዝተረፉ ተመሊሶም፡፡
በዚ እስራኤል ናይ ምእታው ውድቀት መሪር ቅልውላው ዳኣ ይፍጠር እምበር ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ናይ ምእታው ሕልሚ ናይ ምትግባር ድሌቶም ኣየቋረጸን፡፡
ኣብ’ቲ ናይ ሹዑ ዓሰርተ ምኢታዊ ናይ ዮሴፍ ሀለቪ ኢትዮጵያ ምምጻእ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ምስ ናይ ዓለም ይሁዳውያን ብፍላይ ድማ ምስ እየሩሳሌም ናይ ምርኻብ መገዲ (መስመር) ከፊቱ፡፡ ናይ ዮሴፍ ሀለቪ ተማሀሪ ዝኾኑ ቀጻሊ መገዱ ዶክተር ያዕቆብ ፋይትሎቢጭ ተባህሉ ብፕረፌሶር ተኣምራት ኢማኑኤል ፤ ጌጤ የርሚያሁን ዮና ቦጋለን እናተሓገዙ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ትምህርቲ ትካላት አቑሞም ናይ ዓለም ይሁዳውያን ናይ ቤተ እስራኤል ህልውና ከፈልጡ ጽዒሩ፡፡ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን መናእሰይ ኣብ ናይ ኤውሮጳን ናይ እስራኤልን ኣብያተ ትምህርቲ ክማሀሩ ገሩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እየሩሳሌም ናይ ምእታውም ሕልሚ ናይ ምትግባር ድሌቶም ቀስቂሱ፡፡ ኣብ ጂማሮ ዘበን መበል 20 ምኢታዊ ከም ሊቀ ካህናት ብርሀን ባሩኽን ዮና ቦጋለን ዝበሉ መራሕቲ ናብ ናይ እስራኤልን ናይ ስደት ዓለም ይሁዳውያንን መራሕቲ ሀይማኖት ዝጻሓፍዎም ደብዳበታት ኣለዉ፡፡ እቶም ደብዳበታት ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ብምእታው ምስ ህዝበ እስራኤል ምትሕብባር (ምውህሃድ) ከምዝደለዩ ዝገልጹ እዮም፡፡ እቶም መራሕቲ ጥራሕ ብምስዳድ ደብዳበ ኣይተሓጸሩን ጉዕዘኦም እናገበሩ’ውን ቤተ እስራኤል ብዝምልከት ገለጻታት ይገብሩን የረድኡን ነሮም፡፡
እስራኤል ድሕሪ ምቋማ መንግስታ ኾቅ ሀሺቡት (ናይ ዓለም ስደተኛታት ይሁዳወያን እስራኤል ይእተው ዝብል ሕጊ) እንተሎ ናይ እትዮጵያ ቤተ እስራአል ክምልከት/ ክሓቁፍ ገሩ፡፡ ክሳብ ሹዑ ይሁድነቶም ኣይተረጋገጸን ነሩ፡፡ ዓዲ እስራኤል ንምምጽኦም ተገበረ ስራሕ ኣይነበረን፡፡ መንግስቲ ንድሓር ዳኣ ይበል እምበር ንዓመታት ዝኣክል ብናይ ባዕልቶም ምልዕዓልን ባዕልቶምን 200 ካብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን
እስራኤል ኣቲዮም፡፡እዞም ቁሩባት እዚኦም ጽሑፋት እናጸሐፉን ደገፍቶም እናፈረሙ ፤ ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱን ኣብ እስራኤልን ንናይ ዓለም ለኸ ሀገራትን ምስ ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣን እናተራኸቡን ቤተ እስራኤል እስራኤል ንምምጻእ ዓበይቲ ጻዕርታት ገሮም፡፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኡትዮጵያ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን መራሕቲ ፤ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ተንቀሳቐስትን ከም’ቲ (AAEJ) ዛኣምሰሉ ውድባትን ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እስራኤል ይምጹ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ናይ እስራኤል መንግስቲ ጸቕጥታት ይፈጥሩ ነሮም፡፡ ናይ ዓለም ይሁዳውያን ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኩነታት ክፈልጡ ንምግባር ዘረድኡ ተወከልቲ ሰዲዶም፡፡
እቶም ቃልስታት (ተጋድሎታት) እዚዞም ኣብ ናይ ዘበን መበል 20 ምኢታዊ ኣብ 70ታቱን ፍረ ኣርኤዮም፡፡እስራኤል ባዕላ ብወፈራታት ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ምምጸእ ጀሚራ- ገሊኦም ብሚሽጥር ገሊኦም ብቑሉዕ፡፡ካብ’ቶም ሚብጻ ሞሼን ሚብጻ ሺሎሞን ተባሂሎም ተሰየሙ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን እሰራኤል ናይ ምምጻእ ወጻኢ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ወፈራታት’ውን ተገሮም እዮም፡፡ ናይ ብሐቂ ድማ ካብ ኢትዮጵያ እስራኤል ምምጻእ ክሳብ ሕጂ ገና እናቐጸለ እዩ፡፡

ባዕልኻን ሕጋዊ ብዘይኮነ መገድን እስራኤል ምምጻእ..

(1935-1979)

ቅድሚ እቶም እስራኤል ናይ ምምጻእ ዓበይቲ ወፈራታት ብናይ ባዕልቶም ተላዓዕልነት እስራኤል ዝኣተዉ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ኔሮም እዮም፡፡ ቁሩባት ገለገሊኦም መናእሰያትን ስድራታትን በይንቶም ኣብ ናይ‘ቲ ዝሓለፈ መበል 20 ኣማኢት 30ታትን 40ታትን እስራኤል ምእታዎም ዘርኤ መዝገብ ኣሎ፡፡
እስራኤል ምስተመሰረተት መንግስታ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ሀይማኖቶም ይሁዳውያን ናይ ምዃኖም ኣፍልጦ አይህብን ብምባሉ ምኽኒት እቲ ባዕልኻ እስራኤል ምምጻእ አጸጋሚ ብዝነበረ ኩነታት ተኻይዱ፡፡ እንተኾነ‘ውን ካብ 50ታት ጀሚርካ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል መናእሰይ ሓልሓሊፎም ብናይ ቱሪስት መእተዊ ሀገር ፍቓድ (ቪዛ) እስራኤል አቲዮም፡፡ ግና ኣብ እስራኤል ናይ ምጽንሖም ፈቓድ ግዚኡ ድሕሪ ምብቅዑ ካብ ሀገር ክስጎጉ ምስተባህሉን ምእንቲ ዖሌ ኻዳሽ ኮይንካ ኣብ እስረኤል ንምትራፍ ጊዩር ልኹምራ ንምሕላፍ ተገዲዶም ሓሊፎም፡፡ እቲ ካልእ መማረጺ ካብ ሕጊ እናተሐባእኻ ምትራፍ ስለዝነበረ፡፡ እስራኤል ናይ ኢትዮጵ ቤተ እስራኤል እስራኤል ናይ ምእታዎም መገዲ አብ ኣዲስ አበባ ብዝነበረ ኮንስላ አቢላ‘ውን ናይ ምሀብ ፍቓድ መእተዊ (ቪዛ) ኩነታት አጽኒዓቶ፡፡ ናይ አቲዮጵያ ቤተ እስራኤል እስራኤል ናይ ምእታዎም ዝነበረ ዕንቅፋት ናይ እስራኤል መንግስቲ እቲ “ኾቅ ሀሺቡት“ ዝብሀል ይሁዳውያን እስራኤል ከአትዉ ዘፈቀድ ሕጊ እንተሎ ንናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውን ይኹን ዝብል ሕጊ ብ 1975 ድሕሪ ምጽዳቑ ለቒቑ ፤ ተሰሪዙ፡፡
ግና ድማ ክሳብ እቲ ሕጊ ዝጸደቐሉ እዋን ብሰንኪ ናይ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምቁራጹን ኣብ‘ታ ዓዲ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ሓዊስካ ዜጋታታ ወጻኢ ክወጽኡ ዝኽልክል አጸጋሚ ሓድሽ መንግስቲ ምቋሙን ምምጽኦም ተኸልኪሉ፡፡
ባዕልኻን ሕጋዊ ብዘይኮነ መገድን (ኢሊጋል) መገዲ 200 ዝኾኑ ሓደሽቲ አተውቲ እስራኤል ምጺኦም፡፡

ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ብሱዳን ኣቢልካ እስራኤል ምምጻእ (ሚብጻ ኣኺም)

(1979-1990)

ካብ 1979 ክሳብ 1990 ዓ/ም ኣሻሓት ዝኾኑ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ብሱዳን ገሮም እስራኤል ኣቲዮም፡፡ እዚ ምንቅስቓስ ፈረደ ኣከሎምን፡ ቡሩኽ ተገኘን :ዚምና ብርሃኔ እና ዘካሪያስ ዮና  ምስተባህሉ ሞሳድ ርክብ ድሕሪ ምፍጣሩ እዩ ምግባሩ ተኻኢሉ፡፡ብኸም’ዚ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ምምጻእ መገዲ እንትኽፈት ምስተኸፈተ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ናብ’ቲ ኣጸጋሚ ዝኾነ ናይ ሱዳን መገዲ ተጀሚሩ ካብኡ ድማ ብሕቡእ ናብ እስራኤል፡፡
ናይ ሱዳን ጉዕዞን ኣብ ናይ ስደተኛታት ካምቦታት ምቕማጥን ኣጻጋምን ስቓይ ዝመልኦን ነሮም ብሰንኪ’ዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ናይ ነብሲ ዋጋ ተኸፊሎም፡፡ ቀዳማይ ጸገም ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዝነብርሎም ሰሰፈራቶም ናብ ጉዕዞ እንትወጹ ምውጽኦም ብመንግስቲ ክይፍለጥ ብሕቡእ ምንባሩ እዩ፡፡ ናይ ምብጋስ መድላዋት ብሕቡእ እንትግበሩ ዋላ ሓደሓደ ግዘ’ውን ከይንቃላዕ ብዝብል ብተፈላለዩ ዕለታትን ሓደ ቤተ ስድራ እናተፈላለዩ ፤ ብተፈላለዩ ዕለታት በበይኖም ብምውሳን ብኸ’ዚ ወጺኦም፡፡ ናብ’ቲ ናይ እግሪ ጌዕዞ ብኹሉ ዕድመታት ዝኾኑ ፤ ሰውኡት ፤ ኣንስቲ ፤ ኣረጋውያንን ሕጻውንትን ገለገሊኤን ኣብ መገዲ ዝወለዳ ነብሰ ጹራትን ነረሞ ፡፡
እቲ መብዛሕትኡ ብናይ እግሪ ጉዕዞ ተገበረ ምምጻእ ናይ ሰሙናትን ኣዋርሕን ግዘ ወሲዱ፡፡
ተጉዓዝቲ ብመንግስቲ ከይታሓዙን ዘረፍቲ ብምፍራሕን ለይቲ ለይቲ ይጉዓዙ ማዓልቲ ማዐልቲ የዕርፉ፡፡ ናይ’ዚ ተወሳኺ መገዲ እንትኸዱ እናተሓብኡ ብዝጽበይዎም ወታሀደራት ፤ ዘረፍትን ብደቂ ኣንስትዮ ሓየልትን ከይርከቡ ይሕብኡ ነሮም፡፡ ናይ ጉዕዝኦም ኩነታት ኣብ ኣጸጋሚ መገዲ ፤ ድራት ፤ ርባታት ፤ እምባታት ፤ በረኻ ዝመልኦ ብምንባሩ ካብ ኣራይትን ኣትማንን’ውን ምጥንቃቕ የድሊ ነሩ፡፡ ተወሳኺ ጸገም ሕጽረት ናይ ምግብን ማይን ዝኽእልዎን ዝካኣልን ሰኒቖም ስለተበገሱ ኣብ’ቲ ምድረ በዳ ዘጋጠሞም ጥቓ ምውዳእ እቲ ጉዕዞ ዝመረረን ዝኸፍእን ነሩ፡፡ ድኻም ፤ ጥሜት ፤ ጽምኣት ማይን ሙቐትን ንብርክት ዝበሉ ካብ’ቶም ተጉዓዝቲ ኣሰኵኑ፡፡ ሕልሞም ተፈቲሑ እንትትግብር ዘይራኣዩ መወቲ ብቤተ ስድርኦም ብተብተብን ህጸትን ኣብ ወሰናት መገዲ ተቐቢሮም፡፡ ድሕሪ ምቕባሮም ንቐጻሊ ጉዕዞ ሓይሊ ክረኽቡ ነርዎም፡፡
እቶም ተጉዓዝቲ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ቁጽጽር ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናብ ዝነበሩ ናይ ስደተኛታት ካምቦታት ኣቲዮም፡፡ ኣብ’ቶም ካምቦታት ናብርኦም ኣዚዩ ኣጸጋሚ ነሩ፡፡ጉድለት ንምስታይን ንምግብን ጉቡኣት ዝኾኑ ማይን ምግብን ኣይነበሩን፡፡ ምጽባብ (ጽቕቅጥ) ፤ ሐያል ሀሩር ፤ ጥዕና ዝጎድእ ኩነታትን ብርክት ናይ ዝበሉ ብፍላይ ናይ ሕጻውንቲ ሂወት ኣስኢኖም፡፡ ኣብ’ቶም ናይ ስደተኛታት ሰፈር ናይ ዘረፋን ሕየላ ደቂ ኣንስትዮን ተርእዮታት ብዙሓት ነሮም፡፡ ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ሱዳንንናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ተወሳኺ ጸገም ነሩ-ይሁዳውያን ብምዃኖም ብወገን ከምኣቶም ዝበሉ ስደተኛታትን ደቂ ዓዲ ሱዳናውያንን ናይ ዘርኢ ጽላኣት ተግባራት ይፍጸምዎም ነሮም፡፡ ብስንኪ ከምዝታት ዛኣምሰሉ ተርእዮታት ክሕብኡን ናይ ሀይማኖት ትእዛዛት ብሕቡእ የኽብሩ ነሮም፡፡ ብርትዕና ኣብ ናይ በረኻ ናይ እግሪ ጉዕዝኦም ዝነበሮም ዝደገፎም ናይ ነብሲ ትብዓት ኣብ ናይ ስደተኛታት ሰፈር’ውን ክህልዎም ኣድሊዩ፡፡ ብፍላይ በቲ ዝነበሮም ክፉእ ኩነታት ክንደይ ግዘ ከምዝጸንሑን ማዓዝ እስራኤል ከምዝኣትውን ኣይፈልጡን ነሮም፡፡ ብሓቂ’ውን ኣብ ሱዳን ናይ ምጽንሖም ግዘ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓማውቲ ተናዊሑ፡፡
እቶም ይሁዳውያን ኣብ ካምቦታት ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ምስ ሞሳድ ርክብ ብዝነበሮም ኮሚቴ እናበሉ ይጽውዕዎም ዝነበሩ ተንቀሳቐስቲ ደቂ ቤተ እስራኤል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይግበረሎም ነሩ፡፡ እቶም ኣባላት ኮሚቴ ተፈላለዩ ስራሕቲ ነረሞም፡፡ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ተሓዋዊሶም ብሓደ ዝነብሩ ይሁዳውያን እናደሌኻ ምርካብ (መንነቶም ሓቢኦን ዝነብሩ) ናይ ሓገዝ ገንዘብን ኣፋውስን ምክፍፋል ፤ ካብ’ቶም ካምቦታት ናይ ምውጻእ ፍቓድ ምርካብ ፤ እቶም ይሁዳውያን ክሳብ እስራኤል ዝውሰዱ ኣብ ሕቡኣት ቦታታት ክጸንሑ ምግባር ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ’ቶም ካብኣቶም እስራኤል ትሰድሎም ቦታታት ብሕቡእ ምውሳዶምን ምስ ናይ ሞሳድ ሰባት ምርኻቦምን እዩ፡፡ እዚ ሂወቶም ኣብ ሐደጋ ብምብጻሕ ንዓማውቲ ሰሪሖም፡፡ ገለገሊኦም’ውን ብሱዳናውያን ተታሒዞም ተኣሲሮም ብሰንኪ ጽዮናዊ ምንቅስቓሶም ሓያል ስቓይ ሕሊፎም፡፡
ካብ ዝሓለፉ ዓማውቲ እቶም ኣባላት ኮሚቴ ተንቀሳቐስቲ ተዋህቦም እምነት ጠሊሞም ዝነበሮም ክእለት (ስልጣን) ብምብላጽ ንኣጓላት ደቂ ቤተ እስራኤል ሓያል ጉዳኣት ኣብጺሖም እናተባህለ ይዝራብ፡፡ ምስ’ዚ እቶም ከምኡ ዝገበሩ ብዙሓት ዘይምዃኖም ምንጻር የድሊ፡፡ መብዝሕቶም ንቤተ እስራኤል እቲ ነገር ዋላ እኳ እቶም ተጸበይቲ ንቐጻሊ ግዘ ከጽንሕ ይኽእል እንተነበረ ብእምነትን ትብዓትን ስርሖም፡፡ ገለገሊኦም እስራኤል ድሕሪ ምእታዎም’ዉን ኣብ ናይ ቤተ እሰራኤል ምእታው ንምሕጋዝ ናብ ኢትዮጵጵያን ሱዳንን ተመለሱ ኣለዉ፡፡
ካብ ሱዳን እስራኤል ምምጻእ ናይ ሞሳድ ሰባት ብዘታዓራረይዎም ተፈላለዩ መገድታት እዩ ነሩ፡፡ቀዳማዮም ሕጋዊ እናምሰልካ ካብ ሱዳን ቤተ እስራኤል ናይ ምውጻእ ፍቓድ ምርካብ፡፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ሱዳን ኣውጺእኻ ዝቕበልኦም ሀገራት አለዋ ብዝብል ሓቃዊ ዘይኮነ ናይ ሺወዳ ዴኮሜንት ብምቕራብ፡፡እቶም ሐደሽቲ ኣተውቲ ካብ’ታ ሀገር ናይ ምውጻእ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቦም ተዛዊረን ብኻልኦት ሀገራት ብዝዝንብያ ነፈርቲ እስራኤል ኣትዮም፡፡ ካልኣይ መገዲ እቶም ይሁዳውያን ካብ ናይ ስደተኛታት ካምቦታት ናብ ፖርት ሱዳን ብሕቡእ ምውሳዶም እዩ ነሩ፡፡ድሕሪኡ ድማ ካብ’ቲ ናይ ባሕሪ ወደብ ብናይ እስራኤል ሓይሊ ባሕሪ መራኽብ እስራኤል ተወሲዶም፡፡ ናይ ሞሳድ ሰባት ኣብ’ቲ ንነዊሕ ግዘ ክጸንሑ ዝገበረ ናይ ሺወዳ ተግባር ብሕቡእ ምስ ምስርሖም ጎኒ ንጎኒ ናይ መናፈሲ ቦታ ብምስራሕ እዩ ነሩ፡፡ ሳልሳይ መገዲ ሓደሽቲ ኣተውቲ ብሕቡእ ናብ ናይ ሱዳን በረኻ ብምውሳድ ነፈርቲ ናብኡ እናሰደድካ (ካብ ተገደፉ መዕርፎ ነፈርቲ ወይ ኣታዓራሪኻ ተዳለወ መዕለቢ ነፈርቲ ብምጥቃም) ምምጻእ እዩ፡፡ ካብዞም ሕቡኣት መዕርፎ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ሓደሽቲ ኣተውቲ እስራኤል ኣምጺኡ፡፡ ናይ ሚብጻ ሞሼ ሓዊስካ ብሱዳን 16.000 ሓደሽቲ ኣተውቲ እስራኤል መጼም፡፡

ወፈራ ሙሴን ወፈራ ሺሎሞን

(21.11.1984-05.01.1985)

ወፈራ ሙሴ ክፋል ብሱዳን ናይ ምምጻእ እዩ ነሩ፡፡ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል እስራኤል ናይ ምምጻእ መገዲ ብብዝሒ ንምንባብ ሊንክ እተዉ፡፡
ኣብ 1984 ዕቅን ብሱዳን ናይ ዝመጹ ይሁዳውያን ኣዚዩ ኣዕቢዩ (ኣብዚሑ)፡፡ኣብ ናይ ሱዳን ካምቦታት ናይ ጥዕና ኩነታት እንዳኸፍኤ መጺኡ፡፡ ሞት ምብዝሑ እቲ ክሳብ ሕጂ ተገበረ ናይ ምድሓን ተግባር ኣይኣክልን ዓብይ ወፈራ ክግበር ኣለዎ ናብ ዝብል ዝወሰነ ንመንግስቲ እስራኤል ኣብጺሑ፡፡ ብናይ ኣመሪካ ኢድ ምእታውን ብዙሕ ገንዘብ ናብ ዘኽፈለ ዲፕሎማሲያዊ ምሺምጋልን ምስ ናይ ሱዳን ፕረዘደንት ናብ ሚሽጥራዊ ስምምዕ ኣብጺሑ፡፡ ብናይ’ቲ ገንዘብ ዋጋ ቐጥታ ዝንበያ ነፈርቲ ብተዘዋዋሪ ይሁዳውያን ክውሰዱ ፈቒዱ፡፡ዝምበያ ነፈርቲ ብተዘዋዋሪ ብኻልኦት ሀገራት ኣቢልካ ምዃኑ ናይ ኢትዮጵያ ሁዳውያን ካብ ሱዳን እስራኤል ምምጽኦም ከይቃላዕ ካብ ዝብል እዩ፡፡
ሁዳውያን ካብ ሱዳን ናይ ምምውጻእ ወፈራ TEA ብናይ ተባህለ ጆርጅ ጉጥማን ናይ ተባህለ ይሁዳዊ ኩባንያ ነፈርቲ ኣብ ዕለት 21 ሕዳር ጀሚሩ፡፡ ካብ ሹዑ ንሰሙናት ብተኻየደ እቲ ወፈራ ኣሻሓት ይሁዳውያን እንትመጹ ግና ኣብ 5 ጥሪ 1985 ዓ/ም ንማኣኽናት ዜና ብሰንኪ ብመንግስታዊ ኣካላት ተዘተበ እቲ ተግባር ዘቃልዕ ዘረባ ተቋሪጹ፡፡ ምቅልዑ ንናይ ሱዳን መንግስቲ ዝገብሮ ዝጠፍኦ ድሕሪ ምግባሩ ብህጹጽ ጠጠው ክብል ተገሩ፡፡
ብወፈራ ሙሴ 6.364 ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ካብ ሱዳን እስራኤል ኣቲዮም፡፡ ኣብ ናይ ሰደተኛታት ካምቦታት ዝነበሩ ኩሎም ስደተኛታት ስለዘይተወሰዱ እቶም ዝተረፉ ብናይ ኣመሪካ ነፈርቲ ክወስዱ ናይ ኣመሪካ መንግሰቲ ምስ ናይ’ታ ዓዲ ፕረዘደንት ተሰማሚዑ፡፡እዚ ወፈራ ሳባ ተባሂሉ ተሰየመ ወፈራ ኣብ 22 መጋቢት 1985 ዓ/ም 494 ሓደደሽቲ ኣተውቲ እስራኤል ብናናይ ኣመሪካ ነፈርቲ ዝመጹሉ እንትኸውን ካብ’ታ ሀገር ናይ ምውጻእ ፍቓድ ተረኸበሎም 100 ተወሰኽቲ ብልሙድ ናይ ነፈርቲ በረራታ ካብ’ታ ሀገር ተወሲዶም፡፡
ብወፈራታት ሙሴን ሳባን 7.000 ሓደሽቲ ኣተውቲ እስራኤል ኣቲዮም፡፡ ወፈራ ሰለሞን

ሚብጻ ሺሎሞ

(23.05.1991-25.05.1991)

ን16 ዓማውቲ ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ እስራኤልን ናይ ኢትዮጵያን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ 1989 ድሕሪ ምሕዳሱ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ቐጥታ ካብ ኢትዮጵያ እሰራኤል ክመጹ ገሩ፡፡ ምስ’ዚ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ሱዳን ናይ መንግስቲ ለውጢ ብምግባሩ በታ ዓዲ ኣቢልካ እስራኤል ምምጻእ ብዝኽፍኤ ሓደገኛ ኮይኑ፡፡ ቀጥታዊ መገዲ ምኽፋቱ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ዓብይ ተስፋ ኣሕዲሩ፡፡ስለዝኾነ ብናይ ደቂ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ምትብባዕ ኣውርኦም AAEJ ዝኾነ ናይ ይሁዳውያን ውድባትን ምትብባዕን ቤተ እስራኤል ዝነብርሎም ቁሸታት እናገደፉ ኣዲስ ኣበባ ብምምጻእ ኣብ ዙሪያ ናይ እስራኤል ኢምባሲ ሰፈራት ሰፊሮም፡፡እስራኤል ንምምጻእ እትጽበዩ ናይ ጥዕና ጣቢያን ቤተ ትምህርትን ካብ ዝነበሮ መታኣኻኸቢ ፉሉይ ቦታ ሓገዝ ይግበረሎም ነሩ፡፡እቲ ቦታ ኣብ ሓላፍነት AAEJ ፤ ካብ እስራኤል ብተሰደዱ ልኡኻትን ከም ጆይንት ፤ ይሁዳዊት ሶኹኑት ፤ ኣልማያን NACOEJ ተባህሉ እዮም ነሮም፡፡
ካብ ኣዲስ ኣበባ እስራኤል ምምጻእ ኣብ መጀመርታ ቆቁሩብ እዩ ነሩ፡፡ ኣብ ከይዲ 1990 ዓ/ም ኣብ ጂማሮ 1991 ዓ/ም ካብ 20.000 ተጸበይቲ 7.000 እስራኤል ኣቲዮም፡፡ በዚ ግዘ እዚ ናይ ሱዳን መገዲ ድሕሪ ምቁራጹ ተፈላለዩ ቤተ ስድራ ይውሀሀዱ እናበሉ ደቂ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ተንቀሳቐስቲ ኣብ ናይ እስራኤል መነግስቲ ጸቕጢ ፈጢሮም፡፡ እቲ ጸቕጢ ብሰንኪ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕድሕድ ውግእ ምክያዱ ኩነታት ጸጥታ ብምኽፍኡ እናገደዱ ኣምጽኦም፡፡ ስልዝኾነ እቶም ተጋደልቲ ኣድስ ኣበባ እናተቓረቡ ብምምጽኦም እቶም ዝተረፉ ኩሎም ንምምጻእ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 1991 መንግስቲ ወሲኑ፡፡ ግና ናይ ኢትዮጵያ መራሒ መንግሰቱ ሀይለማሪያም ክታኣጓጎል ገሩ፡፡ ካብ ኣመሪካን ካብ እስራኤልን እቶም ውድባት ንምውጋእ ገንዘብ ብምሕታቱ፡፡ መወዳእትኡ ብናይ ኣመሪካ ይሁዳውያን ብተለገሰ 35 ሚሊዮን ዶላር እቲ ይሁዳውያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምውጽኦም ወፈራ ክግበር ፈቒዱ፡፡ እዚ ዝኾነ ተቓወምቲ ውድቫት ኣዲስ ኣበባ ቀሪቦም እናሀለዉ እዩ፡፡ ግና ብናይ ኣመሪካ ሸምጋልነት እቲ ወፈራ ተጀሚሩ ክሳብ ምዝዛሙ ክጸንሑ ፍቓደኛታት ኮይኖም ንቑሩብ ማዓልትታት ተዓጊሶም፡፡
እቲ ወፈራ ሰለሞን ብዝብል ዝፍለጥ ኣጸጋሚ ወፈራ ብሰራዊት መከላኸሊ ፤ ብሞሳድ ፤ ብቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ፤ ብይሁዳዊት ሶኹኑትን ኣብ እስራኤል ነባራት ብዝኾኑ ነቶም ሓደሽቲ ኣተውቲ ዝሓገዙ ደቂ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤልን ተኻይዱ፡፡ እቲ ወፈራ 23 ወርሒ ጉምበት 1991 ተጀሚሩ፡፡
120 ዝኾኑ ካብ’ቶም እስራኤል ንምምጻእ ተጸበይቲ እቶም ኣብ ዙሪያ ናይ እስራኤል ኢምባሲ ዝነበሩ ኣሻሓት ይሁዳያን ኣኪቦሞም፡፡ ንጽባሒቱ 34 ነፈርቲ እቶም ሓደሽቲ ኣተውቲ እስራኤል ኣምጺኤን፡፡ ምእንቲ ብርክት ዝበሉ ሓድሽቲ ኣተውቲ ናብ’ተን ነፈርቲ ምእታው ክካኣል ኮፍ መበሊ መንበራተን ነቓቒሎሞ፡፡ ሓንቲ ካብ’ተን ነፈርቲ ካብ ውሽጦም ክልተ ሕጻውንቲ ኣባኣ ተወለዱ ሐዊስካ 1088 ሰባት ኣሳፊራ፡፡እቲ ወፈራ 25 ወርሒ ጉምበት 1991 ዓ/ም ንጉሆ ተዛዚሙ፡፡
ወፈራ ሰለሞን ኣብ ውሽጢ 36 ስዓታት 14.000 ሓደሽቲ ኣተዉቲ እስራኤል ብበረራ ነፈርቲ እስራኤል ዝኣተዉሉ ኣብ ታሪኽ ይሁዳውያን ካብ ናይ ስደት ሀገራት እስራኤል ናይ ምምጻእ እቲ ዛዓበየ እዩ፡፡

ናይ ቋራ ይሁዳውያን እስራኤል ምምጻእ

(1992-1999)

ክሳብ ናይ ዘበን መበል 20 ምኢታዊ 90ታት ካብ ናይ ቋራ ከባቢ እስራኤል ዝኣተወ ይሁዲ ኣይነበረን፡፡እቲ ክፍለ ሀገር ብናይ ነጻነት ወድባት ይግዛእ ብምንባሩ ናብኡ ምእታው ኣጸጋሚ ብመንባሩ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ነንዓርስኻ ውግእ ኣብ ናይ 1991 ዓ/ም ሓጋይ ድሕሪ ምብቅዑ ናብኡ ምእታው ምስተ እስራኤል ናይ ምእታው መሰል ዝነበሮም ንምድላይ ናይ ይሁዳዊት ሶኹኑትን ናይ ጆይንትን ተወከልቲ ተሰዲዶም፡፡መሰል ዝለዎም ምድላይን ረኺብካ እስራኤል ምስዳዶምን ቀስ ዝበለ (ቀስ ኢልካ) ብምንባሩ ከሳብ ከይዲ ናይ 90ታት ተኻይዱ፡፡ናይ ቋራ ይዱዳውያን ቤተ ስድራን ንናይ ናይ ኢትዮጵያ  ይሁዳውያንነተንቀሳቐስቲ ብዝገበርዎ ጸቕጢ ናይ ቋራ ይዱዳውያን ምምጻእ ይቀላጠፍ ዝብል ውሳነ መንግስቲ ኣብ 1998 ዓ/ም ኣሕሊፉ፡፡ ሓደ ዓመት እቲ ውሳነ ድሕሪ ምህላፉ ናይ ቋራ መብዛሕቲ ይሁዳውያን እስራአል ተወሲዶም፡፡

ናይ ቋራ ይሁዳውያን እስራኤል ምእታው 5.000 ካብኣቶም እስራኤል ተወሲዶም፡፡

ዘርኢ ናይ ቤተ እስራኤል ዘለዎም እስራኤል ምምጽኦም

(1992-2022)

ናይዚኦም መሰረት ካብ ዘበን መበል 19 ምኢታዊ ዝኸስተኑ ግና ድማ ምስቶም ናይ’ֶቲ ከባቢ ክስታን ዘይታሓዋዎሱን እንትኸውን ኣብ መንጎ ናይ’ትን ናይ’ትን (ክስታንን ይሁዳውያንን) ዝነበሩን ሓልሓሊፎም’ውን ብፍላይ ምስ ኣዝማዶም ይሁዳውያንን ቡሱሩ’ውን ምስ ኩሎም ይሁዳውያን ማሓበራዊ ርክብ ዝነበሮም እዮም፡፡
ኣብ ውሽጢ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንወፈራ ሰለሞን ይጽበዩ ዝነበሩ ኣሻሓት ይሁዳውያን 2.000 ዝኾኑ ካብ’ቶም ካብ ዘርኢ ናይ ቤተ እሰራኤል ዝባሀሉ’ውን ነረሞም፡፡ እንተኾነ’ውን ኾቅ ሃሺቡት ስለ ዘይምልከቶም ንኸይመጹ መንግስቲ ወሲኑ፡፡እዚ ድሕሪ ምዃኑ ኣብ’ቲ መጸበይ ካምቦ ተሪፎም (ኮይኖም) እስራኤል ናይ ምመጽኦም መሰል ቃልሲ ቀጺሎም፡፡ እቲ ቃልሲ ኣውርኦም እቲ NACOEJ ዝባሀል ናይ ሰሜን ኣመሪካ ውድብ ብዝኾነን ብተፈላለዩ ኣካላት እናታሓገዙ ኣካይዶም፡፡ ግዘ ብዝሓለፈ ቁጽሪ ናብ’ቲ ናይ ትጽቢት ቦታ ተወሰኽቲ ዘርኢ ናይ ቤተ እስራኤል ዘለዎም ይመጹ ነሮም፡፡
ኣብ 1992 ቤተ ስድራ ምውህሃድ ብዝብል እቶም ዘርኢ ናይ ቤተ እስራኤል ዘለዎም ክመጹ ሹዑ ናይ ቅሊጣ ሚኒስተር ብዝነበሩ ያኢር ጻባን ተባህሉ ኣቦ መንበራ ዝነበሩ ናይ ሚኑስተራት ኮሚቴ ወሲና፡፡ ድሕሪ ቁሩብ ዓማውቲ ፤ ብወገን ህዝባዊ ጸቕጢ ኣብ’ቲ ካመቦ ዝነበሩ ኩሎም (4.000 ነብሲ) እስራኤል ክኣቱ ተፈቒድሎም፡፡ ድሕሪ ምእታዎም ናብ ሀይማኖት ሁድነት ይእተዉ ይብል እቲ ውሳነ፡፡ካብኡ ኣብ ዝቐጸሉ ዓማውቲ’ውን ካብዚኣቶም ናይ ምምጻእ ወፈራታት ተኻይዶም፡፡ እንተኾነ’ውን ሎሚ ድሕሪ እቲ (ጹር ይስራኤል ብዝብል ተሰየመ ናይ መጋቢት 2021 ዓ/ም) ወፈራ’ውን ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባን ናይ ጎንደርን ካምቦታት ኣብ እስራኤል ቤተ ስድራ ዘለውዎም አሻሓት ኣብ ምጽባይ ይርከቡ፡፡
ብናይ ዘርኢ ቤተ እስራኤል ምምጻእ ክሳብ ሕጂ 50.000 ዝኾኑ ሰባት እስራኤል ኣቲዮም፡፡

IMMIGRANTS FROM ETHIOPIA DEMONSTRATING FOR REUNION WITH THEIR RELATIVES IN JERUSALEM. Photo: Dan Hadani Collection National Library of Israel, IPPA
Photo: Dan Hadani Collection National Library of Israel, IPPA
The Ethiopian community demonstrated today demanding for immigration of their families who still remain in Ethiopia. Photo: Gotfried Danny, IPPA
Photo: Gotfried Danny, IPPA
Ilan Bochris with Ethiopian jews on board the bat galim ship. Photo: David Ben Uziel Collection
Photo: David Ben Uziel Collection "Tarzan" , Yad Izhak Ben-Zvi
לוחמי שייטת 13 מורידים מהסירה יהודים מאתיופיה במהלך פינוי ימי לאוניית 'בת גלים'. מתוך אלבום דוד בן עוזיאל
Photo: David Ben Uziel Collection "Tarzan" , Yad Izhak Ben-Zvi
New Jewish immigrants from Ethiopia land at Ben Gurion Airport and bend down to kiss the ground in honor of their arrival in the land of Israel. Photo: Kobi Gideon, GPO
Photo: Kobi Gideon, GPO
IMMIGRANTS FROM ETHIOPIADEMONSTRATING FOR REUNION WITH THEIR RELATIVES IN JERUSALEM Photo: Maggi Ohayon, GPO
Photo: Maggi Ohayon, GPO
A group of immigrants from Ethiopia with Kes Taye Areyani, arrived in Israel. Photo: Oleg Gaspar, IPPA
Photo: Oleg Gaspar, IPPA
IMMIGRANTS FROM ETHIOPIA DEMONSTRATING FOR REUNION WITH THEIR RELATIVES IN JERUSALEM Photo: Maggi Ohayon, GPO
Photo: Maggi Ohayon, GPO
OPERATION SOLOMON. Photo: Elpert Nathan, GPO
Photo: Elpert Nathan, GPO
OPERATION SOLOMON. Photo: Tzvika Israel, GPO
Photo: Tzvika Israel, GPO
THE DINING HALL AT KFAR BATYA YOUTH VILLAGE. Photo: GPO
Photo: GPO
KFAR BATYA YOUTH VILLAGE WORKING IN THE GARDEN. Photo: GPO
Photo: GPO
ETHIOPIAN CHILDREN, NOW ON TWO YEAR TRAINING COURSE AT KFAR BATYA, VISIT PROFESSOR FEITELOWITZ. Photo: Ilan Broner, GPO
Photo: Ilan Broner, GPO
ETHIOPIAN CHILDREN, NOW ON TWO YEAR TRAINING COURSE AT KFAR BATYA, VISIT PROFESSOR FEITELOWITZ. Photo: Ilan Broner, GPO
Photo: Ilan Broner, GPO
ETHIOPIAN IMMIGRANTS DEMONSTRATING OUTSIDE THE P.M.'S OFFICE IN JERUSALEM. PHOTO BY: Photo: Ziv Koren, GPO
Photo: Ziv Koren, GPO
Ethiopian Jewish Aliyah. Design : Alemu Eshetie, Igal Gabay
Design : Alemu Eshetie, Igal Gabay