November
28

ዓመት ባዓል ምህልላ አብ እየሩሳሌም
28.11.2024
08:00 - 14:00
ዓመት ብዓል ምህለላ አብ እየሩሳሌም ብጸሎትን ስነ ስርዓትን ክኽበር እዩ፡፡
ሓሙስ ዕለት 28/11/2024 አብ እየሩሳሌም አብ ጥቓ ናይ እየሩሳሌም አርሞን ሀናጺብን ጣዬለት ሺሩበር አብ ዝባሀል ቦታን ኣብ ዝካየድ ናይ ምኽባር ዓመት ብዓል ምህለላ ስነ ስርዓት ተረኺብኩም ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ፡፡
እቲ ስነ ስርዓት አብ ስዓት 8፡00 ብጸሎት ፤
አብ ስዓት 12፡30 ብቡራኼን መንግስታዊ ናይ‘ቲ ዓመት ብዓል ስነ ስርዐትን ክኽበር እዩ፡፡
አብ ስዓት 14፡00 ናይ‘ቲ ዓመት ብዓል ጾምን ጾሎትን የብቅዕ/ይዛዘም፡፡
በቲ ዕለት ናብ‘ቲ ቦታ ናይ መኽበሪ ዓመት ብዓል ተሳተፍቲ ዝወስወዳ (ዘጉዓዕዛ) እተቡሳት አብ ጥቓ ናይ እየሩሳሌም ብኒያኔ ሀኡማ ሸዛር አብ ዝብሀል ጎደና ክዳለዋ/ክህልዋ እየን፡፡
ከምኡ‘ውን ካብ ተፈላለዩ ቦታታት/ከተማታት ተሳተፍቲ እየሩሳሌም ዘጉዕዛ እተቡሳት ክዳለዋ ፡፡
ኢሜል info@moreshete.org.il ቁጽሪ ስልኪ 02-6772568
June
05

እስራኤል ንምእታው አብ መገዶም ሂወቶም ናይ ዝሳአኑ ብቐጥታ ዝማሓለፍ መንግስታዊ ናይ ዘኽሮም ስነ ስርዓት
Herzl's Grave, Mount Herzl Cemetery, Jerusalem
05.06.2024
11:00 - 13:00
April
16

ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ዓመት ባዓላት መጽሓፍ ናይ ምጽሓፉ ምረቓ ስነ ስርዓት
16.04.2024
17:00 - 20:00
ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ዓመት ባዓላት መጽሓፍ ናይ ምጽሓፉ ምረቓ ስነ ስርዓት ኣብ ዕለት 16.4.2024 ስዓት 17፡00 ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ናይ ብንያነ ሀኡማ አደራሽ ኦዲተርዩም ኤሽኮል ሻዛር ቁጽሪ 1 ስለ ዝካየድ በቲ እዋን አብ’ቲ ቦታ ተረኹብኩም ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ማእኸል ቅርስን ባህልን ትዕደሙ፡፡
እቲ ስነ ስርዓት ሊቀ ካህናት ብርቁን ካልኦት ካህናትን ከምኡ’ውን ተወከልቲ ህዝብን ህዝብን ኣብ ተረኸብሉ እዩ ክካይድ፡፡
እቲ ናይ ዓመት ባዓላት መጽሓፍ ብግእዝ ብክልተ ጥራዛት እንትኸውን ሕታሙ፡
1.ጥራዝ ናይ ቆውዒ ባዓለት (ኻጌይ አቪቭ) (ወርሒ ሌሳን ፤ ውሬናን ሰነ ማእረርን (ኻግ ሻቡኦት) ዝርከብዎ
2 ካልኣይ ጥራዝ..ናይ ብርሀን ሰረቐ (ሮሽ ሀሻና) ፤ ናይ ባዓለ መጸለት (ሱኮት) ሕዳረ ማእረር (ካልኣይ ሻቡኦት) ዓመት ባዓላት ዝርከብዎ ሻውዓይ ወርሒ እዩ፡፡
እቲ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ብካህን ምንተስኖት ማሙ ካብ ተፈላለዩ ቦታታት ተኣኻኺቡ ተጻሕፈ እንትኸውን እንተሎ ኣብ ምድላዉን ናይ ምምራቑ ስነ ስርዓት ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ማእኸል ቅርስን ባህልን ተሳታፋይ እዩ፡፡
ክንሪኤኩም ንጽበ !
እቲ ስነ ስርዓት ብቪድዮ ክልዓለን ብመቕድሒ ክቕደሕን እዩ
November
13

አብ እየሩሳሌም ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ ጸሎት
ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት ሺሮበር ናይ እየሩሳሌም መናፈሲ
13.11.2023
09:30 - 13:00
13/11/23
ብሰንኪ እቲ ኻራቦት ባርዜል ብዝብል ተሰየመ ውግእን ብመሰረት ናይ ደጀን እዚ ዘውጽኦ ትእዛዝን ዓመት ባዓል ምህለላ ከም'ቲ ኩሉ ግዘ ዝባዓሎ ለብዘበን ህዝቢ አኪባካ አይካየድን።
ብኸም'ዚ እቲ አብ ጣየለት አርሞን ሀናጺብ ዝካየድ ጸሎት ካብ ስዓት 9:30 ክሳብ ስዓት 13:00 ጥራሕ ባአቕሽቲ እዩ ክካየድ።
ምክያዱ ንህዝቢ በቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማእኸል ባህልን ቅርስን ድህረ ገጽ ፣ በፌይስቡክን ዩቲዩፕን ክፍኖ እዩ።
ናይ ቡራኬ ስነ ስርዓት አይህሉን፣አይካየድን።
እዚ ዝቐረበ ብቢሮ ሚኒስተር ናይ ባህልን ስፖርትን ፣ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን መንግስታዊ ማእኸል ባህልን ቅርስን፣ አቕሽትን ፣ መንፈሳዊ አመራርሓን ክፍሊ ናይ መንግስታዊ ስነ ስርዓታትን ድግሳትን እዩ።
May
18

እስራኤል ንምእታው አብ መገዶም ሂወቶም ናይ ዝሳአኑ ብቐጥታ ዝማሓለፍ መንግስታዊ ናይ ዘኽሮም ስነ ስርዓት
18.05.2023
11:00
November
23

ዓመት ባዓል ምህለላ
ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት ሺሮበር ናይ እየሩሳሌም መናፈሲ
23.11.2022
08:00 - 14:00
ዓመት ባዓል ምህለላ ኣብ እየሩሳሌም
ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ዝካየድ ምኽባር ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ
ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተረኺብኩም ንኽትሳተፉ ብኽብረት ንዕድመኩም፡፤
እቲ ዓመት ባዓል ረቡዕ ሕዳር 23 /2022 (ካፍ ጤት ብኼሽቫን ታሽፓግ) እዩ ዝኽበር፡፡ ዝኽበረሉ ቦታ ጥቓ ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት መናፈሲ (መዘናግዒ) እዩ፡፡
ናይ’ቲ ዓመት ባዓል ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ሳዓት 8፡00 ናይ ንጉሆ ዝጂምር እንትኽውን መንግስትዊ ስነ ስርዓቱ ካብ ስዓት 12፡30 እዩ ዝጂምር ፡፡
በቲ ናይ ዓመት ባዓል ዕለት/ማዓልቲ ካብ ናይ እየሩሳሌም መናሀሪያ እተቡሳት ተሳተፍቲ ናብ’ቲ ቦታ ዝወስዳ እተቡሳት ብፉሉይ ተዳልየን ኣብ’ቲ ቦታ ክህልዋ እየን፡፡ ኣብ ርእሲ’ዚውን አብ ተፈላለያ ከተማታት ናብ’ቲ ባዓል ዝባዓለሉ እየሩሳሌም ዝወስዳ እተቡሳት አለዋ፡፡
እተቡሳት ከካብ ቦትኡ ዝብገሳሉ ቦታን ስዓትን ንምፍላጥ አብ ከተማታት ዝሕተተሎም ቦታታት ምሕታት ወይ ካኣ አብ ናይ መረዳእታ ቢሮ ናይ ኢንተርነት ድረ ገጽ ርኣዩ፡፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ድር ገጽ፡-
https://www.gov.il/he/departments/hq-for-state-ceremonies-and-events