June
05
![እስራኤል ንምእታው አብ መገዶም ሂወቶም ናይ ዝሳአኑ ብቐጥታ ዝማሓለፍ መንግስታዊ ናይ ዘኽሮም ስነ ስርዓት](https://ethiopianjhc.org.il/tig/wp-content/uploads/sites/4/2024/06/באנר-תיגרית-קובץ-סופי-04-scaled.jpg)
እስራኤል ንምእታው አብ መገዶም ሂወቶም ናይ ዝሳአኑ ብቐጥታ ዝማሓለፍ መንግስታዊ ናይ ዘኽሮም ስነ ስርዓት
Herzl's Grave, Mount Herzl Cemetery, Jerusalem
05.06.2024
11:00 - 13:00
April
16
![ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ዓመት ባዓላት መጽሓፍ ናይ ምጽሓፉ ምረቓ ስነ ስርዓት](https://ethiopianjhc.org.il/tig/wp-content/uploads/sites/4/2024/04/באנר-אמהרית.jpg)
ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ዓመት ባዓላት መጽሓፍ ናይ ምጽሓፉ ምረቓ ስነ ስርዓት
16.04.2024
17:00 - 20:00
ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ዓመት ባዓላት መጽሓፍ ናይ ምጽሓፉ ምረቓ ስነ ስርዓት ኣብ ዕለት 16.4.2024 ስዓት 17፡00 ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ናይ ብንያነ ሀኡማ አደራሽ ኦዲተርዩም ኤሽኮል ሻዛር ቁጽሪ 1 ስለ ዝካየድ በቲ እዋን አብ’ቲ ቦታ ተረኹብኩም ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ማእኸል ቅርስን ባህልን ትዕደሙ፡፡
እቲ ስነ ስርዓት ሊቀ ካህናት ብርቁን ካልኦት ካህናትን ከምኡ’ውን ተወከልቲ ህዝብን ህዝብን ኣብ ተረኸብሉ እዩ ክካይድ፡፡
እቲ ናይ ዓመት ባዓላት መጽሓፍ ብግእዝ ብክልተ ጥራዛት እንትኸውን ሕታሙ፡
1.ጥራዝ ናይ ቆውዒ ባዓለት (ኻጌይ አቪቭ) (ወርሒ ሌሳን ፤ ውሬናን ሰነ ማእረርን (ኻግ ሻቡኦት) ዝርከብዎ
2 ካልኣይ ጥራዝ..ናይ ብርሀን ሰረቐ (ሮሽ ሀሻና) ፤ ናይ ባዓለ መጸለት (ሱኮት) ሕዳረ ማእረር (ካልኣይ ሻቡኦት) ዓመት ባዓላት ዝርከብዎ ሻውዓይ ወርሒ እዩ፡፡
እቲ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ብካህን ምንተስኖት ማሙ ካብ ተፈላለዩ ቦታታት ተኣኻኺቡ ተጻሕፈ እንትኸውን እንተሎ ኣብ ምድላዉን ናይ ምምራቑ ስነ ስርዓት ናይ ኢትዮጵያ ቤተ እስራኤል ማእኸል ቅርስን ባህልን ተሳታፋይ እዩ፡፡
ክንሪኤኩም ንጽበ !
እቲ ስነ ስርዓት ብቪድዮ ክልዓለን ብመቕድሒ ክቕደሕን እዩ
November
13
![አብ እየሩሳሌም ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ ጸሎት](https://ethiopianjhc.org.il/tig/wp-content/uploads/sites/4/2023/11/05.jpg)
አብ እየሩሳሌም ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ ጸሎት
ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት ሺሮበር ናይ እየሩሳሌም መናፈሲ
13.11.2023
09:30 - 13:00
13/11/23
ብሰንኪ እቲ ኻራቦት ባርዜል ብዝብል ተሰየመ ውግእን ብመሰረት ናይ ደጀን እዚ ዘውጽኦ ትእዛዝን ዓመት ባዓል ምህለላ ከም'ቲ ኩሉ ግዘ ዝባዓሎ ለብዘበን ህዝቢ አኪባካ አይካየድን።
ብኸም'ዚ እቲ አብ ጣየለት አርሞን ሀናጺብ ዝካየድ ጸሎት ካብ ስዓት 9:30 ክሳብ ስዓት 13:00 ጥራሕ ባአቕሽቲ እዩ ክካየድ።
ምክያዱ ንህዝቢ በቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን ማእኸል ባህልን ቅርስን ድህረ ገጽ ፣ በፌይስቡክን ዩቲዩፕን ክፍኖ እዩ።
ናይ ቡራኬ ስነ ስርዓት አይህሉን፣አይካየድን።
እዚ ዝቐረበ ብቢሮ ሚኒስተር ናይ ባህልን ስፖርትን ፣ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ይሁዳውያን መንግስታዊ ማእኸል ባህልን ቅርስን፣ አቕሽትን ፣ መንፈሳዊ አመራርሓን ክፍሊ ናይ መንግስታዊ ስነ ስርዓታትን ድግሳትን እዩ።
May
18
![እስራኤል ንምእታው አብ መገዶም ሂወቶም ናይ ዝሳአኑ ብቐጥታ ዝማሓለፍ መንግስታዊ ናይ ዘኽሮም ስነ ስርዓት](https://ethiopianjhc.org.il/tig/wp-content/uploads/sites/4/2023/05/11.jpg)
እስራኤል ንምእታው አብ መገዶም ሂወቶም ናይ ዝሳአኑ ብቐጥታ ዝማሓለፍ መንግስታዊ ናይ ዘኽሮም ስነ ስርዓት
18.05.2023
11:00
November
23
![The Sigd Holiday 22](https://ethiopianjhc.org.il/tig/wp-content/uploads/sites/4/2022/11/1840x500.2-1.png)
ዓመት ባዓል ምህለላ
ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት ሺሮበር ናይ እየሩሳሌም መናፈሲ
23.11.2022
08:00 - 14:00
ዓመት ባዓል ምህለላ ኣብ እየሩሳሌም
ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ዝካየድ ምኽባር ናይ ዓመት ባዓል ምህለላ
ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተረኺብኩም ንኽትሳተፉ ብኽብረት ንዕድመኩም፡፤
እቲ ዓመት ባዓል ረቡዕ ሕዳር 23 /2022 (ካፍ ጤት ብኼሽቫን ታሽፓግ) እዩ ዝኽበር፡፡ ዝኽበረሉ ቦታ ጥቓ ኣርሞን ሀናጺብ ተባህለ ጣየለት መናፈሲ (መዘናግዒ) እዩ፡፡
ናይ’ቲ ዓመት ባዓል ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ሳዓት 8፡00 ናይ ንጉሆ ዝጂምር እንትኽውን መንግስትዊ ስነ ስርዓቱ ካብ ስዓት 12፡30 እዩ ዝጂምር ፡፡
በቲ ናይ ዓመት ባዓል ዕለት/ማዓልቲ ካብ ናይ እየሩሳሌም መናሀሪያ እተቡሳት ተሳተፍቲ ናብ’ቲ ቦታ ዝወስዳ እተቡሳት ብፉሉይ ተዳልየን ኣብ’ቲ ቦታ ክህልዋ እየን፡፡ ኣብ ርእሲ’ዚውን አብ ተፈላለያ ከተማታት ናብ’ቲ ባዓል ዝባዓለሉ እየሩሳሌም ዝወስዳ እተቡሳት አለዋ፡፡
እተቡሳት ከካብ ቦትኡ ዝብገሳሉ ቦታን ስዓትን ንምፍላጥ አብ ከተማታት ዝሕተተሎም ቦታታት ምሕታት ወይ ካኣ አብ ናይ መረዳእታ ቢሮ ናይ ኢንተርነት ድረ ገጽ ርኣዩ፡፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ድር ገጽ፡-
https://www.gov.il/he/departments/hq-for-state-ceremonies-and-events